ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓወት በራክ ኦባማን ሪኢቶ ዓለምን


ሚሸል ምስ በራክ ኦባማ
ሚሸል ምስ በራክ ኦባማ
ኢትዮ-ኣሜሪካውያን ትማሊ ምሸት ንከይዲ ምርጫ ፕረዚደንት ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኮይኖም እናተኸታተሉ‘ዮም ኣምስዮም።ህዝቢ ኣሜሪካ ቅኑዕ ውሳነ ከምዝገበረ‘ውን ገለ ወሃብቲ ሪኢቶ ገሊፆም።

ኣብ ጎደናታታት ናይሮቢ ኣቀባሊና ንመስርሕ ምርጫ ሙሉእ ለይቲ ይከታተል ከምዝሓደረ ዝዛረብ ጆሴፍ ኮች፣ፕረዚደንት ኦባማ ዳግማይ ስለዝተመረፁ ንዝተሰመዖ ታሕጓስ ከም‘ዚ ኢሉ ገለፀ፥

ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ሴኔጋል ፓዝ ድዩፍ፣ብጥራሕ ዘረባ ኣልቦ ግብሪ ኢሉ ዝገለፆም ፕረዚደንት ረብሪበ‘የ ይብል።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ካብ ምብራቃዊ እየሩሳሌም ሪኢትኡ ዝሃበ ፍልስጤማዊ መሓመድ ኣቡ ሮቦ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ካልኣይ ዘመን ስልጣኖም ዝያዳ ውፅኢታዊ ስራሕ ኣብ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ዝፍፅሙሉ ጊዜ ክኾን‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

ሃገራት ምብራቅ እስያ‘ውን ንዓወት ፕረዚደንት ኦባማ ብፀጋ‘ዮም ተቀቢለነኦ።ካብኡ ሓሊፈን‘ውን ምስ ኣሜሪካ ንዝፀንሐን ርክብ ንምሕያል ሓቢረን ከምዝሰርሓ ይገልፃ‘ለዋ።

ቻይና ከይደንጎየት ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፣ክልቲኤን ሃገራት ዘለወን ርክብ ክማሓየሽ ከምዝግባእን፣ዝህልዎ ፅልዋን ጠቂሳ‘ላ።

ዓወት ኦባማን ሪኢቶ ዓለምን
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:18 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG