ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕሎ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝተረፎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ


Barack Obama
Barack Obama
ብጠንቂ ህቦብላዊ ዝናብ ወፍሪ ምርጫ ዘቋረፁ ሪፐብሊካዊ ሚት ራምንይ ነቲ ወፍሪ ትማሊ ቀፂሎምሉ።ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ግና ክሳብ ትማሊ፣ኣዛዚ ሰራዊት ምኳኖም ዝግለፀሉ ሓላፍነት ይፍፅሙ‘ዮም ውዒሎም።

ፕረዚደንት በራክ ኦቦማ፣እቲ ብህቦብላዊ ዝናብ ስንድይ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኒውጀርሲ ዝወረደ ብርሰት እናረኣዩ‘ዮም ውዒሎም ትማሊ።ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ንዝወረደ ዕንወት ምስ ኣማሓዳሪ‘ታ ክፍለ ሃገር ክሪስ ክርስቲ፣ተዘዋዊሮም ምስ ረኣዩ ንጋዜጠኛታት ሪኢቶኦም ሂቦም፥

”ትፈልጡ ዲኹም፣ኣብ ውሽጢ ፅንኩር ጊዜ ኢና ንርከብ።እንተኾነ ክንሰግሮ ኢና።ኩሉሻዕ ሕማቅ ጊዜ ከጓንፈና ከሎ፣ስዒርና ንወፀሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣብ ፈታናይ ወቅቲ፣ነንባዕልና ስለንተሓጋገዝ‘ዩ።ዝርሳዕ ሰብ ኣይክህሉን‘ዩ” በሉ እቶም ፕረዚደንት።

ሎም-ዘበን ኣብ ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ሪፐብሊካውያን ቀንዲ መዳሪ ዝነበሩ ኣማሓዳሪ‘ታ ክፍለ-ሃገር ክሪስ ክርስትይ፣ንፕረዚደንት ኦባማ ኣብሊሖም ካብ ዝነቅፉ ሓደ‘ዮም።ሎሚ ግና፣እቶም ፕረዚደንት ኣብ ሕማቅ እዋን ንዝሃብዎ መሪሕነት ንኢዶምዎ።

ክሪስትይ ኣብ ዘረበኦም ”ፕረዚደንት ንክፍለ-ሃገርናን ንህዝብናን ብዘርአይዎ ሓልዮትን ተገዳስነትን ከመይ ንከመስግኖም ቃላት ይሓፅረኒ‘ዩ” ኢሎም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ነቲ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኒውጀርሲ ዝወረዳ ጥፍኣት ንፋሳዊ ዝናብ ስንድይ ብኣካል ተረኺቦም ንክሪኡ መእንታን ንፕረዚደንታዊ ወፍሮም ንጊዚኡ ንመዓልታት ገቲኦምዎ‘ዮም ቀንዮም።ሎሚ ግና ነቲ ወፍሪ ኣብ ዊስኮንሲን ጀሚሮምዎ‘ለው።ኣስዒቦም ኣብ ኔቫዳን ኮሎራዶን ክቅፅሉ‘ዮም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ትማሊ ኣብ ቨርጅንያ ወፍሮም ዘሐየሉ ሚት ራምንይ፣ ነቲ ንምብራቃዊ ኣሜሪካ ዝወቅዐ ህቦብላዊ ዝናብ ጠቂሶም‘ዮም።

”ንኩሎም ዜጋታትና ንፈትዎም ኢና።ኣብ ከም‘ዚ ዝበለ ጊዜ፣ናብ ሓደ ኢና ንጥመር።ካብ ዘጋጠሞም ገንዘባዊን ንዋታዊን ክሳራ ንክድሕኑ ዝካኣለና ክንገብር ኣለና” ይብሉ ራምንይ።

መዐቀኒ ህዝባዊ ሪኢቶ፣ክልቲኦም ተወዳደርቲ ብሕልፊ ኣብ‘ተን ዘይፈለየለን ክፍለ-ግዝኣታት ዝቀራረብ ድምፂ ይረኽቡ ከምዘለው ይሕብሩ።ኲኒፓክ ኒውዮርክ ታይምስን ብሓባር ዘካየድዎ መፅናዕቲ፣ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ቨርጅንያን ፍሎሪዳን ዝቀራረብ ድምፂ፣ኣብ ኦሃዮ ግና ፕረዚደንት ኦባማ ፈንተት ዘይብል ብልጫ የርኢዩ ከምዝፀንሑ የርኢ።

ኣብ ኲኒፓክ መፅናዕቲ ሪኢቶ ህዝቢ ዘተኣኻኽብ ፒተር ብራውን፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ብሕልፊ ኣብ ሞንጎ ንኡሳን ኣድመፅቲ ዝያዳ ተቀባልነት ይኸስቡ ከምዘለው ይጠቅስ።ይኹን‘ምበር ሚት ራምንይ ኣብ ሞንጎ ደቂ-ኣነስትዮ ዘለዎም ተቀባልነት ይውስኽ ኣሎ ኢሉ፥

”ኣብ ኦሃዮ ኣይራኣይን ዘሎ‘ምበር፣ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት፣እቲ ውድድር ይፀጋጋፅ‘ዩ ዘሎ።ኣብ መላእ‘ዛ ሃገር‘ውን ተመሳሳሊ ኣንፈት ኣሎ።ሚስተር ራምንይ ኣብ ደቂ-ኣነስትዮ ፅቡቅ ይሰርሑ‘ለው።ራምንይ ብኦባማ ኣብ ሞንጎ ደቂ-ኣነስትዮ ርኡይ ፀብለልታ ነይዎም።ግን ቁሩብ ተቀራሪቡ‘ሎ። ሚት ራምንይ ድማ፣ብሰብኡት ፀብለልታ ኣለዎም”ይብሉ።

መብዛሕተአን ክፍላተ-ሃገራት ኣሜሪካ፣በዚ በለ በቲ ንሓዲኦም ተወዳደርቲ ዝመርፃ ምኻነን ንፁር‘ዩ።እቲ ቀንዲ ውድድር ዘሎ ኣብ‘ተን ዘይፈለየለን ትሻዓተ ክፍላተ-ግዝኣታት ኮይኑ‘ዩ ዝርከብ።
XS
SM
MD
LG