ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀፃሊ ዕማም ፖለቲካዊያን ኣሜሪካ


John Boehner
John Boehner
ፕረዚደንታው ምርጫ ኣሜሪካ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ቀልቦም ንናይ‘ዛ ሃገር ኩሙር ዕዳ ንምንካይ ኣብ ዝካኣለሉ መስርሕ ምስ መራሕቲ ክልቲኡ ፓርቲታት ምልዛብ ክኸውን‘ዩ።

ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት(ዋይት ሃውስ) ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ሪፐብሊካዊ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ጆን በይነር ትማሊ ሰሉስ ስልኪ ከምዝደወልሎምን፣ኣብ ዙርያ ግብሪን ካልኦት ኣጀንዳታትን ኣዘራሪቦምዎም‘ለው ይብል።

ኣፈጉባኤ በይነር ኣስዒቦም”ፕረዚደንት፣ግብሪ ንምንካይ ዝከኣለሉ ባይታ ኣልዒሎም‘ለው።እቲ እቶት ካብ ምዕባለን ለውጢን ዝርከብ እንተኾይኑ፣ ሪፐብሊካውያን ነቲ ጠለብ ክንቅበል ድልየትና‘ዩ።ስለዚ ልዝብና ካብኡ ክጅምር ኣለዎ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ፣ልዕሊ 250 ሽሕ ዶላር ኣብ ዓመት ኣታዊ ዘለዎም ሃብታማት ኣሜሪካውያን፣ዝያዳ ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም ባሃላይ‘ዮም።እዚ ውጥን‘ዚ ብሪፐብሊካውያን ፉንፉን‘ዩ።
XS
SM
MD
LG