ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚት ራምኒ ንወፃኢ ፖሊሲ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነቒፎም


ሚት ራምኒ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ መደረ እንተስምዑ
ሚት ራምኒ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ መደረ እንተስምዑ
ሪፓብሊካዊ ሕፁይ ፕሬዝዳንታዊ ተወዳዳራይ ሚት ራምኒ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር እንተድኣ ስዒሮም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ብርቱዕ ፕሬዝዳንት ክኸውን እየ ኢሎም።እዚ መነሓንቶም ፕሬዝዳንት ኦባማ ድኹም ኢዮም ኣብ ዝበሉዎም ጉዳያት ወፃኢ ዝምልከት ትማሊ ሰኒ ኣብ ናይ ቨርጂኒያ ወታደራዊ ተቛም ኣብዘስምዕዎ መደረ እዩ።ወፍሪ ምርጫ ኦባማ ነቲ ነቐፌታ ብነቐፌታ መልሲ ሂቡሉ’ሎ።
ሚት ራምኒ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ እንተኾይኖም ናይታ ሃገር ፖሊሲ ወፃኢ ከመይ ከምዝሕዝዎ ንኣድመፅቲ መብርሂ ሂቦም ኣለው።ድኹም መሪሕነት ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነይሮም ኣብዝበልዎም ጉዳያት ዓለም ብምንፅፃር ተዛሪቦም።
መብዛሕቲኡ መደርኦም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።ራምኒ ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ኣብ ሊብያ ዝቐተለ መጥቓዕቲ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብዝርከቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዲፕሎማሲያዊ ትካላት ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ሃንደበታዊ ኣይነበሩን ኢሎም።
ኣብ ሊብያ ንዝተቐተሉ ዜጋታትና ይኹን ኣብ ብርከት ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤምባስታትና ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት እቲ ጥፍኣት ናይቶም ፈፀምቲ ገበን ጥራሕ እዩ ምስበሉ ኣስዒቦ ‘’ታሪኽ ኣብ ምቅናዕ ናይ ኣሜሪካ ዓብዪ ሓይሊ ምጥቃም ናይ ፕሬዝዳንትና ሓላፍነት ከኸውን ኣለዎ።’’ ኢሎም።
ራምኒ ኣብ ጉዳይ ኒኩሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝተፈጠረ ደውታን ዩናይትድ ስቴትስ ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብን ብዝምልከት እውን ንፕሬዝዳንት ኦባማ ነቒፎምዎም።ዩናይትድ ስቴትስ ካብ እስራኤል ንባዕላ ተርሕቕ ኣላ ክብሉ ብምስዓብ ተዛሪቦም።
ንናይ ራምኒ መደረ ካብ ዋይት ሃውስ ቕልጡ መልሲ እዩ ተዊቡዎ።
ብዓል ስልጣን ወፍሪ ምርጫ ኦባማ ቤን ላቦልት ናይ ዒራቕ ኵናት ሓልፍነት ብዝተመልኦ ንኸብቅዕ፡ንኣል-ቃይዳ ኣብ ምዕናውን ንሞት ኦሳማ ቢን ላዲንን ሓዊሱ ኣብ መሪሕነት ሃገራዊ ፀጥታ ኦባማ ንራምኒ ይመርሑዎም ከምዘልው ኣሃዛዊ መዕቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ከምዘረጋገፁ ሓቢሮም ኣለው።
ኣብ እዋን ዴሞክራሲያዊ ፕሬዝዳንት ቢል ክልንቴን ምንስቴር ወፃኢ ዝነበራ ማድሊን ኦልብራይት ብወገነን ንናይ ራምኒ ነጥብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ንግዲ ፍፁም ሓሶት ኢለንኦ።
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኢኮኖሚ ዓብላሊ ኣጀንዳ ኣብዝኾነሉ ወፍሪ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ናይ ሚት ራምኒ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ መደረ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነቶም ዘዕብየሎም እንተኾይኑ ንፁር ኣይኮነን ይብሉ ተንተንቲ።
XS
SM
MD
LG