ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንተስ ንፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ክብድህ ዘይክኣለ ወፍሪ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሪፖብሊካን ፓርቲ ትማሊ ሰንበት ብወግዒ ምብቅዑ ኣዊጆም።
ንሶም ነዚ ዘፍለጡ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ'ዮ።
ኣብ ናይቲ ፓርቲ ፈላማይ መስርሕ ውድድር ሕፁይ ፕረዚደንት ኣብ ኣዮዋ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሪሒቖም ካልኣይ ድሕሪ ምውፅኦም ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዮም ወፍሪ ምርጫ ኦም ደው ምባሉ ደሳንተስ ዝገለጹ።
"ፅቡቕ ውፅኢት ንምምፃእ ዝኽእሎ ነገር እንተሃሊዩ፣ ተወሳኺ ወፍርታት ተወስኽቲ ቃለ መጠይቓት ክገብr ምኽኣልኩ። ንምዕዋት ዘኽእል ንፁር መገዲ ከይሃለወና ንደገፍትና ግዚኦምን ገንዘቦምን ከወፍዩ ክሓትት ኣይክእልን። መብጽዓይ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ምዕዋተይ እኾርዕ እየ፤ ኣብዚ እውን ጠጠው ኣየብልን። መብዛሕቲኦም ኣብ መባእታዊ ውድድር ምርጫ ዝተሳተፉ ሪፓብሊካዊያን ወሃብቲ ድምፂ ንዶናልድ ትራምፕ ካልእ ዕድል ክህቡዎ ከምዝደለዩ ንዓይ ንፁር ኮይኑለይ ኣሎ’’ ኢሎም።
ደሳንተስ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኒው ሃምሽር መባእታዊ ምርጫ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ቅድሚ ምክያዱ ክልተ መዓልታት ኣቐዲሞም እዮም ወፍሮም ደው ምባሎም ዘፍልጡ ዘለው።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ነበር ኒኪ ሀሊ እንኮ ቀንዲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ እንተኾና ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ውጽኢት ብድርብ ኣሃዝ ይመርሑ ኣለው።
ቅጥዒ