ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞተር ነፋሪት ንምጥፋእ ዝፈተነ ኣብራሪ መገዲ ኣየር ኣላስካ ኣብ መጋብኣያ ይቐርብ


ነፋሪት መንገዲ ኣየር አላስካ - ፋይል
ነፋሪት መንገዲ ኣየር አላስካ - ፋይል

ብሰንበት 22 ጥቅምቲ 2023 ካብ ኢቨርት- ክፍለ-ሃገር ዋሺንግተን ናብ ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርኒያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ህዝቢ፡ ሓደጋ ንምግባር ዝፈተነ ፓይሎት፡ 83 ክስታት ተመስሪቱሉ ሎሚ ሰሉስ ኣብ መጋብኣያ ይቐርብ ኣሎ።

እታ ኣካል መገዲ ኣየር ኣላስካ ዝዀነት፡ 80 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብሰንበት ኣብ ዝገበረቶ በረራ እቲ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ኣብራሪ ሞተር ንምጥፋእን ነታ ነፋሪት ንምዕናው ፈቲኑ ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሉ ዘሎ። ኣብ ተመሳሳሊ መንገዲ ኣየር ዝሰርሕ ወዲ 44 ጆሰፍ ዳቪድ ኢመርሰን፡ በቲ ዝነበሮ ቅርበት ስራሕ ናብ ክፍሊ ኣብረርቲ ብምኻድ ሞተር ንምጥፋእ ፈቲኑ ከም ዘይተዓወተን፡ ንእለቱ ድማ ብኣባላት እታ በረራ ተኣሲሩ ካብቲ ከውርዶ ዝፈተነ ሓደጋ ከም ዝተኣልየን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ድሕሪ’ቲ ፈተነ፡ እታ ነፋሪት ጕዕዞኣ ሰሪዛ ኣብ ፖርትላንድ ኦሬገን ክትዓልብ ተገዲዳ’ያ። ኣብ ተጓዓዝቲ ዝወረደ ዝዀነ መጕዳእቲ ግን ኣይነበረን። ክሱስ’ውን ፈለማ ዝገበሮ ናይ ምጥፋእ ሞተር ፈተነ ምስ ፈሸለን ብኣባላት በረራ ድሕሪ ምእሳሩን፡ ክሳብ ኣብ ፖርትላንድ ዓሊቡ ናብ ፖሊስ ዝርከብ ዝዀነ አብያ ከም ዘየርኣየ ተሳፈርቲ ይሕብሩ።

ፈደራላዊ ምርመራ ገበን መርመራ ኣመሪካ (FBI) ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ ዛጊት ግን መበገሲ ዕላማ እቲ ፓይሎት ኣይተሓበረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG