ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ


ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፣እቲ ካብ ቅድመ-ዕለት ምርጫ ክካየድ ዝቀነየ መስርሕ ምድማፅ ብዝያዳን ዝተዓፃፀፈን ኣገባብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ መላእ‘ዛ ሃገር ይሳለጥ‘ሎ።

ኣብ ኩለን ክፍላተ-ሃገራት ኣድመፅቲ ኣብ‘ዚ ሰዓት‘ዚ ይመርፁ‘ለው።ንፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ስልጣኖም ይፅኑሑ‘ዶ፣ንሚት ራምንይ ዕድል ይዋሃቦም ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ምርጫ‘ዩ።

ትሻዓተ ክፍላተ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ልዑል ቆላሕታ ረኺበን‘ለዋ።ኒውሃምሸር፣ቪርጅንያ፣ሰሜን ካሮላይና፣
ኦሃዮ፣ዊስኮንስን፣ኮሎራዶ፣ኣይዋ፣ኔቫዳን ዝሓቆፈ‘ዩ ዘይፈለየለን (Undecided States) ተባሂለን ዘለዋ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ዚ ናይ ሎም-ዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ኢትዮ-ኣሜሪካዊያንን ኤርትራ ኣሜሪካውያንን ኣጋይሽና ገይርናዮም‘ለና።

ሙሉእ ትሕዝቶ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ተኸታተሉ፣

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:18:42 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG