ቅድሚ 50 ዓመት ፕሬዝዳንት ጆን ኤፍ ከነዲ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፒስ ኮር ወይ’ውን ናይ ሰላም መስርዕ ንኽምስረት ኣዘዙ።ካብኡ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ብድኽነት ኣብብዝተጠቕዑ ከባቢታትን ማሕበረሰባትን ንምግልጋል ልዕሊ 200 ሽሕ ብፍቓዶም ዝሰርሑ ወይ ድማ ወለንተኛታት ተላኢኾም።ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ዋላ’ዃ ሓደገኝነት እቲ ተልእኾ ከምዘሎ እንተሃለወን ናይ በጀት ምቕናስ ሓደጋ እንተፀላለዎን ሕዚ’ውን ፍቓደኛታት ናብቲ ፕሮግራም ንምግልጋል እናመፁ’ዮም።
ኣሌክስ ጎርደን ኣብ መጀመሪያ 90ታት ኣ/ፈ ኣብ ፒስ ኮር ማለት’ውን ናይ ሰላም መስርዕ ኣገልግሎት ዝሃበ’ዩ።ኣብ ፓራጛይ ናይ ገጠር ትምህርቲ ብምህናፅ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣገልጊሉ።
ጎርደን ኣብ ፒስ ኮር ወይ መስርዕ ሰላም ምግልጋል ኣብ ዓለም ፅቡቕ ነገር ካብምስራሕ ንላዕሊ ዝኾነ ይኹን ክትፍፅም ከምእትኽእል ዓርሰ እምነት ይህበካ ይብል።
ድሕሪ 20 ዓመታት ጎርደን ንኻሊእ ዙሪያ ኣገልግሎት ናብ ላይበሪያ ይወፍር ኣሎ።
ፕሬዝዳንት ጆን ኤፍ ከነዲ ኣብ 1961 ኣ/ፈ ንናይ ሰላም መስርዕ መስሪቶም።ኣብ ዋይት ሃውስ ንሓደሽቲ ፍቓደኛታት ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣገልግሎት ኣብዝህቡለን ሃገራት ዝህሊ ናይ ኣሜሪካ ስእሊ ኣብኦም ከምዝምስረት ገሊፆም ነይሮም።
ካብኡ ኣትሒዙ ልዕሊ 200ሽሕ ፍቕደኛታት ኣብ ሙሉእ ዓለም ነፃ ኣገልግሎት ሂቦም ኣለው።ኣሮን ዊሊያምስ ካብኣቶም ሓደ እዮም።ሕዚ ግን ዳይረክተ ፒስ ኮር ብምዃን እናገልገሉ ይርከቡ።
ንሶም ’’ወለንተኛ ፒስ ኮር ኣብ ህይወት ሰባት ኣወንታዊ ፅልዋ ኣሕድሪ’ዩ።ኣገልግሎት ኣብዝሃብናለን ሃገራት ቀዳሞት ሚንስትራት ፕሬዝዳንታት ሰበስልጣን ካብኔትን መራሕቲ ዓበይቲ ኩባንያታትን ህይወቶም ንኽልወጥ ሓጊዝናዮም ኢና።’’ይብሉ።
ደገፍቲ ፒስ ኮር ምስ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራዊ በጀት ብምውድዳር ኣዕሪዩ ብዝንኣሰ በጀት ሸቶታት ፖሊሲ ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዘፈፅም ይዛረቡ።ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ግን ኣብ ናይ ምርጫ ወፍሮም ዝኣተውዎ ነቲ ትካል ብዕፅፊ ናይ ምዕባይ መፅብዓ ኣየኽበሩን።የግዳስ ኮንግረስ ኣማእቲ ሚሊዮናት ዶላር በጀት ንምቕናስ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።
ሕዚ’ውን እንተኾነ ግን ነፃ ኣገልግሎት ዝህቡ ፍቓደኛታት ኣገልግሎት ንምሃብ እናተመዝገቡ ይርከቡ።ሰፕሪያህ ሳሽ ተምሃሪት ዩንቨርስቲ ጆርጅ ዋሽንግተን እያ።ክሳብ እትምደብ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ሕብረተሰባዊ ኣገልግሎት እናሃበት ትርከብ።