ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ዝምድናኣ ምስ ፍልስጤም ተሓድስ


ፕረ-ባይደን ምስ ፕረ.ፍልስጤም ማሕሙስ ኣባስ
ፕረ-ባይደን ምስ ፕረ.ፍልስጤም ማሕሙስ ኣባስ

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ምስ መራሒ ፍልስጤማዊያን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዋላ’ውን ርሑቅ እንተኾነ፣ ህላዌ ክልተ ሃገራት ዘረጋግጽ ፍታሕ ልዝብ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምዕዋት ከምዝሰርሕሉ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን"ህዝቢ ፍልስጤም ይጉዳእ ኣሎ፣ ዝስማዓካ ነገር እዩ እዚ፣ ጓሂን ቅብጸትን ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ኮይና ይስማዓና እዩ" ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "ፍልስጤማዊያን ሃገር ክትህልዎም ይግበኦም እዩ። እዞም ክልተ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዎም ህዝቢታት ጎና ጎኒ ዝቅጽላ ክልተ ሃገራት የድልዮም ኣሎ" ኢሎም።

ርትዓዊ መዕለቢ ቅልውላው ንክርከብ ኣመሪካ ክትዓየሉ እያ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን ሃገሮም ንፍልስጤማዊያን 416 ሚልዮን ዳለር ከምትልግስ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG