ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢትዮጵያ ኣጋጢሞምዋ ዘለው ፈተናታት ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝፍትሑ ኣይኮነኑ” ዩናይትድ ስቴትስ


ኢትዮጵያ ኣጋጢሞምዋ ዘለው ፈተናታት ብህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝፍትሑ ከምዘይኮኑ ኣሜሪካ ስግኣታ ትገልፅ።

ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘውፅኦ መግለፂ መበገሲ ብምግባር ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ንወሃቢ ቃል ኒኮላስ ባርነት ኣዘራሪቡ ዝልኣኾ ጸብጻብ ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣይተሰማማዓትሉን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ኣዋጅብተሪር ንቃወሞ ኢሉ`ሎ።

“ኢትዮጵያ ኣጋጢሞማ ዘለዉ ፈተናታት ብዝሓሸ ዝፍትሑ፡ ብናይ`ቲ ሕብረተሰብ ምሉእ ተሳትፎ፡ ብናይ ኩሎም ኣረኣእያታትን ኣተሓሳስባታትን`ዩ። ሰባት ብግልጽን ሃናጺ ብዝኾነን ሓሳቦምዝገልጽሉ ምሕደራ ዝሓትት`ዩ። ነዚ ኣብ ህጹጽ ኣዋጅ ምእታው ኣጸጋሚ`ዩ።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቶም ጸገማት ብዝተፈላለየ መንገድታት ንምፍታሕ ከምዝፈተነ ብምግላጽ፡እንተኾነ እቲ ኩነታት ካብ ምምሕያሽ “ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐያየሩ እቲ ጸገም ከምዝቐጸለ ኢና ክንርኢ ክኢልና” ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ተጋሩ ነበርቲ ከባቢ ዶብ ድልየት ሰላም ንምግላፅ’ዩ ብዝብል ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ምስጋር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG