ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ንሃለዋት መራሕቲ አል-ሸባብ ዝሓበረ ሽልማት ክህብ'የ ኢላ


ንሃለዋት ሽዱሽተ ላዕለዎት መራሕቲ አል-ሸባብ ንዝሓበረ ሰብ ሽልማት ከምዘዳለው ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ አፍሊጡ።

ብዛዕባ ሃለዋት አቡ ኡባይዳህ (ዲረየ) ዝሓበረ 6 ሚሊዮን ዶላር ብዛዕባ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዋርሳሜ (ካራተ) ማዓሊም ዳውድን ሃሰን አፍጎየን ዝሓበረ 5 ሚሊዮን ዶላር ብዛዕባ ማዓሊም ሳልማንን ኣሕመድ ኢማን ዓሊን ዝሓበረ 3 ሚሊዮን ዶላር ክኸፍል'የ ይብል ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ።

ብመሰረት'ዚ ሓበሬታ አለኒ ዝብል ሰብ ብኢሜል info@rewardsforjustice.net ብቴሌፎን 1-800-877-3927 ብደብዳቤ ናብ Rewards for Justice, Washington, DC 20520 USA ኢሎም ክልእኹ ይኽእሉ'ዮም ይብል ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ዘውጽኦ መግለጺ።

መንግስቲ ኣሜሪካ አብ ምፍሻል ዓለም-ለኻዊ ግብረ-ሽበራ ወይ ኣብ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ውልቀ-ሰባት ንዘትሐዙ ሰማንያ ሰባት 125 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሸለመ አብ መርበብ ሓበሬታ'ቲ ቤት ዕዮ ዝወጸ ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG