ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒውዮርክ ዝጀመረ ተቃውሞ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ልሒኹ


ኣብ ጥቃ ዎል ስትሪት-ኒውዮርክ ዝጀመረ ፀረ-ኪፒታሊዝም ተቃውሞ ሰልፊ፣ናብ ካልኦት ከተማታት‘ውን ይልሕኹ‘ሎ።ቅድሚ ሎሚ ዝተካየደ ሰልፊ ቲ-ፓርቲ፣ገዚፍ መንግስቲ ንቁጠባዊ ቅልውላው ኣሜሪካ ጠንቂ‘ዩ ክብል ከሎ፣ኣብ ትሕቲ ”ተቆፃፀር” ዝብል ምንቅስቃስ ዝተበገሰ እዚ ዳሕረዋይ ሰልፊ ግና ገዘፍቲ ኮርፖረሽናት‘ዮም ተሓተቲ ይብሉ።

ብከበሮ ዝተዓጀበ ”ተቆፃፀር” ዝጭርሕኡ ምንቅስቃስ፣ንኩሉ ዕድመታት ሓቊፉ ካብ ዎል-ስትሪት ኒውዮርክ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ በፂሑ‘ሎ።

”ንደቅና ናብ ኲናት ንክነዋፍሮም ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊርና።ናብ ኲናት ዝወፈሩ ግና ኩሎም ኣይኮኑን፣ደቂ ፀለምቲን ደቂ ድኻን‘ዮም
ትብል ሓንቲ ካብ‘ተን ተቃዋሚት።

ሱዘን ኣርኔት፣ኣብ‘ቲ ተቃውሞ ሰልፊ ንክትሳተፍ ካብ ካሊፎርንያ‘ያ መፂኣ።
ንሳ ክትዛረብ ከላ ”ብዛዕባ ኲናት ኢና ንቃወም ዘለና።ብዛዕባ ብልሽውና ኢና ንቃወም ዘለና።ብዛዕባ ስስዐ ኢና ነቃልሕ ዘለና” በለት።

ከም‘ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጀመረ፣እቲ ኣብ ዲሲ ዝተላዕለ ተቃውሞ‘ውን ፀረ ካፒታሊዝም‘ዩ ዕላምኡ።

እቲ ተቃውሞ ሰልፊ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ኣሳቲፉ‘ሎ።ሓርበኛታት፣ ተማሃሮ፣ሰራሕተኛታት መንግስቲ።ኩሎም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ፣መሓውራዊ ቅርፂ፣ንኲናት ይወፅእ ዘሎ ገንዘብ ገለ ፀገም ኣለዎ ይብሉ።

ኣብ ኲናት ቬይትናም ዝተሳተፈ ጂም ጉድናው፣ኣሜሪካ ካብ ኲናት ቭየትናም ንዳሓር ተለዊጣትኒ‘ያ ይብል።

ንሱ ወሲኹ” ገና ቆልዑ ከለና፣እዛ ሃገር‘ዚኣ ናይ ኩላትና ትመስለና ነይራ።ሎሚ ግና ኣይኮነትን ዘላ።ኮርፖሬሽንን ንብረት ናይ ኮርፖሬሽናት ኮይና‘ላ” ይብል።

ኣብ‘ዚ ተቃውሞ ሰልፊ ይሳተፉ ዘለው ብርክት ዝበሉ መናእሰይ፣በቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ዝተወለዐ ፅድያ-ዓረብን ነድሪ-ስዻኝ (ኢንዲግናዶስ) ናህሪ ክንረክብ ሓጊዙና‘ዩ ይብሉ።

ካብ ሚያሚ-ፍሎሪዳ ዝመፀት ሎርድስ ፓራሎቤ ”ዕስራ ሽሕ ዶላር ልቃሕ ኣብ እንግደዐይ ፀይረ‘የ ካብ ኮሌጅ ዝምረቅ ዘለኹ፣ማስተርስን ቀዳማይን ዲግሪ ተቀቢሎም እናሃለው ኣብ ቤት ብልዒ ተቆፂሮም ዝሰርሑ ኣዝዮም ብዙሓት ኣዕርኽቲ ኣለውኒ።ናዓይ ዝፅበየኒ ዘሎ መኣዲ ስራሕ‘ውን ንሱ‘ዩ ዝብል ሻቅሎት ኣለኒ” ትብል።

እቶም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተቃውሞ ሰልፊ ይገብሩ ዘለው ሰባት፣ናብ ጨንፈር ንግዲ ኣሜሪካ ብምኻድ የውግዙ ነይሮም።

ኮርፖረሽናት ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ክልተ ትሪልዮን ዶላር መኽሰብ ረኺቦም‘ለው። ዝኸፍልዎ ግብሪ ድማ ኣብ ውሽጢ‘ዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት፣እቲ ኣዝዩ ዝተሓተ‘ዩ።መጠን ሸቅሊ ኣልቦነት ግና ትሻዓተ ሚእታዊ‘ዩ።

መብዛሕተኦም ተቃወምቲ፣ገሊኦም ንፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝመረፁ‘ዮም ኣብ ዋይት ሃውስ‘ውን ድምፆም ኣስሚዖም‘ለው።እቶም ፕረዚደንት ንፈለማ ጊዜ ብዛዕባ’ቲ ተቃውሞ ሪኢቶኦም ሂቦም‘ለው ”ህዝቢ ኣሜሪካ ዘለዎም ስምዒት ቅብፀት ዘንፀባርቅ‘ዩ ዝመስለኒ” ኢሎም።

ተቃውሞ ሰልፊ ምንቅስቃስ ”ተቆፃፀር“፣ደገፍ ውዱባትን ማሕበራትን‘ውን ከሲቡ‘ሎ።ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካምፕ ክሰርሑን፣ናህሩን ዋዕን‘ውን ክውስኽ እዩ ዝብል ትፅቢት‘ውን ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG