ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ተቐቲሉ


እቲ ዝሞተ ወታሃደር ቻርለስ ካይትንግ
እቲ ዝሞተ ወታሃደር ቻርለስ ካይትንግ

ዕጡቓት ዳዕሽ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዝርከብ መዓስከር ኩርዳዊያን ተቃለስቲ ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ ሓደ ኣባል ብ’ሲል’ ዝጽዋዕ ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ተቐቲሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ሚኒስትር ምኽልኻል ኣሜሪካ እቲ ዝሞተ ወታሃደር ቻርለስ ካይትንግ ራብዓይ ካብ ፊኔክስ ምኳኑ ገሊጾም’ለው። ጸሓፊ መራኸቢ ብዙሓን ፔንታጎን ፒተር ኩክ እቲ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣማካሪ’ቲ ኣብ ሰሜናዊ ከተማ ሞሱል ንዝንቀሳቀስ ኩርዳዊያን ተቃለስቲ ዝነበረ ምኳኑ ገሊጹ’ሎ።

ካብ ከተማ ስቱጋርት ጀርመን ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣሽ ካርተር እዚ ክስተት ዒራቕ ሕጂ’ውን ሓደገኛ ቦታ ምኳኑ ዘሪኢ’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

‘እዚ ግጭት ገና ኣይተወደአን ገና ብዙሕ ሓደጋ ከምዘሎ ሞት’ዚ ነቶም ኣብ ሰሜን ሞሱል ንዝርከቡ ኩርዳውያን ተቃለስቲ ምክርን ሓገዝን ዝህብ ዝነበረ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ዝኾነ ቻርለስ ኬይትንግ መርኣያ’ዩ። እቲ ሓደጋ ቀጻሊ’ዩ በቲ ዘጋጠመ ሞት ድማ ዝለዓለ ጓሂ ይስመዓና።’

ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ሰበ-ስልጣን ኬይትንግ ዝሞተ ዳዕሽ ካብቲ ኩርዳዊያን ተቃለስቲ ዘለውዎ ድፋዕ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ኪ.ሜ ንቅድሚት ብምእታው ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ ምኳኑ ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።

እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ መጥቓዕትታቱ ኣብ 2014 ካብ ዝጅምር ንነጀው ዝሞተ እዚ ሳልሳይ ወታሃደር ኣሜሪካ’ዩ።

ብተወሳኺ ዕጡቓት ዳዕሽ ነቲ ብኣሜሪካዊያን ኣማከርትን ደብዳብ ነፈርትን ዝተታሕዘ ድፋዕ ኩርዳዊያን ተቃለስቲ ንምጥሓስ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ኣጽዋር ዝዓጠቑ መካይንን ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕትታት ዘጠቓልል መጥቓዕቲ ምክያዶም ተገሊጹ።

ድሒሩ ኩርዳዊያን ተቓለስቲ በቲ ናይ ሶሉስ መጥቓዕቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቃት ዳዕሽ ዝወደቓ ክልተ ከተማታት ምምላሶም ገሊጾም’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ተቐቲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

XS
SM
MD
LG