ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ተናሲ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተዂሲ ቆልዑ ዝርከቡዎም 6 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ግዝኣት ተነሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ሰለስተ ቆልዑን ሰለስተ ዓበይትን ብተኹሲ ጥይት ቀቲሉ። ቅድሚ`ቲ ቅትለት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሰለያ ኣካይዱ ምንባሩ ፖሊስ ናሽቪል ይገልጽ ኣሎ። ብመስኮት ተቐልቂሉ ድሕሪ ምርኣይ ንመስኮት ሰይሩ ብምእታው ክትኩስ ምጅማሩ ዝተሳእለ ቪድዮ የርኢ።

ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ቀደም ተመሃራይ ምንባሩ ፖሊስ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ዛጊት ዝፈለጦ ነገር የለን።ብፖሊስ ዝተቐትለ ተኳሳይ፡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝርዝር ካርታ ከም ዝነበሮ`ውን ፖሊስ ይጠቅስ።

እቲ ተኹሲ ንስድራቤታት ዝኸፍአ ራዕዲ`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ባይቶ ኣመሪካ ንኣጠቓቕማ ብረት ዝምልከት ውሳነ ከሕልፍ ዳግም ጸዊዑ`ሎ። “ብረት ዝስዕብ ዘሎ ጎንጺ ደው ንምባል ተወሳኺ ክንሰርሕ ኣለና። ፕረዚደንት ባይደን ንሕብረተሰብና ይሕምስ ኣሎ፡ ንመንፈስ ሃገርና`ውን ዕርቃና የትርፋ`ሎ" ኢሉ ።

በዓልቲ ቤቱ ጂል ባይደን`ውን "ደቅና ዝሓሸ`ዩ ዝግብኦም” ክትብል ገሊጻ`ላ።

XS
SM
MD
LG