ዋሽንግተን —
ላዕለዋይ ፈጻሚ ስራሕ ኩባንያ ተስላ ኢላን ማስክ ንትዊተር በቲ ፈለማ ዝተሰማምዖ ዋጋ 44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ተሰማሚዑ።
ሓሳቡ እንታይ ምኻኑ ንምግማቱ ዘጸግም ምዃኑ ዝንገረሉ ኢላን ማስክ ትማሊ ሰሉስ ንትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ነቲ ንምዝውዋር ገንዘብን ኣክስዮናትን ዝከታተል ኮሚሽን ውሕስና ዝውውር ገንዘብ ኣብ ዘቅረቦ ሕጋዊ ሰነድ ነዚ ከም ዘፍለጠ ገሊጹ'ሎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ ኢላን ማስክን ትዊተርን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ደለወር ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክረኣ ትሕቲ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ ሕጂ እዋን እዩ።
ኢላን ማስክ ትዊተር ቁጽሪ ብዝሒ ናይ ሓሶት ትዊተር ተጠቐምቲ ኣውሒዱ እዩ ገሊጹ ብምባል ካብ ውዕል እቲ ዕድጊ ከምዝሰሓበ አፍሊጡ ኔሩ እዩ።
ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንነፍሲ ወከፍ ኣክስዮን ብ54:20 ዶላርን ንምሻጥ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ'ሎ።
መሸጣ ኣክስዮን ትዊተር ትማሊ ሰሉስ ዳርጋ ጠጠው ኢሉ ድሕሪ ምውዓሉ ኣማስያኡ ናብ 52 ዶላር ከምዝደየበ ተገሊጹ'ሎ።