ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ብራዚል ዘንበረቶ ናይ ጉዕዞ እገዳ ሎሚ ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ


ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ ብራዚል ዝኣትው ተጎዓዝቲ ዘንበረቶ እገዳ ካብቲ ዋይት ሃውስኣቐዲሙ ዝገለፆ ክልተ መዓልታት ቐዲሙ ተግባራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብራዚል ብበዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ንኣሜሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ካልአይ ደረጃ ሒዛ ከምትርከብ ይፍለጥ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዝተነብረ ሓድሽ እገዳ ጉዕዞ ሎሚ ሶሉስ ተግባራዊ ምዃኑ ጀሚሩ ኣሎ።

ሰበስልጣን ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተባህለ እገዳ ብምንታይ ምኽንያት ክቕድም ከምዝገብሩዎ መብርሂ ኣይሃቡሉን።

እዚ እገዳ ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት ኣብ ብራዚል ንዝነበሩ ወፃእተኛታት ዝምልከት እዩ።ሰበስልጣን ጥዕና ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ሰብ ምልክታት ቅድሚ ምርኣዩ ካብ 2 ክሳብ 14 መዓልታት ክወስደሉ ከምዝኽእል ይገልፁ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ብራዚል ሓዳሽ ስሕበት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና'ላ። ኣሜሪካ ጥራሕ እያ ትቕድማ ዘላ። ሚንስትር ጥዕና ብራዚል ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኮቪድ-19 ን807 ሰባት ከምዝቐተለ ትማሊ ሶኑይ ገሊፁ።ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ተመሳሳሊ ሓደ መዓልቲ 620 ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻይና፣ ኢራን፣ብሪጣኒያ፣ ኣየርላንድን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ተመሳሳሊ እገዳ ኣንቢሮም እዮም።

ናይ ብራዚል ርሑቕ የማናይ ክንፊ ፕረዚደንት ጄይር ቦልስናሮ ንግድታት ክኽፈቱ ብምፅዋዕ ንማሕበራዊ ምፍንታት ክትገብሩ ንዝቐርቡ መልእኽታት ብምንፃግን ንክብደት ኮሮናቫይረስ ንኣዋርሕ ከቕልሉዎ ፀኒሖም እዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ሰባት ንላዕሊ ንቁጠባ ዝቐትል ንእሽተይ ስዓል ወይ ፍሉ እዩ ክብሉዎ ፀንሖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ዝፍውስ መድሓኒት ንምርካብ ኣብ ሃይድሮክስክሎሮኪን የካይዶ ዝነበረ ፈተነ ክኢላታት ንደሕንነት ናይቲ መድሓኒት ክሳብ ዝምርምሩዎ ንዝተወሰነ ግዜ ደው ከምዘበሎ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ መድሓኒት ዝወስዱ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሞት ከጋጥሞም ዝለዓለ ዕድል ኣለዎም ዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላንሰት ኣብ ዝተብሃለ ናይ ሕክምና መፅሄት ንዝተሓተመ ፅሑፍ ብምጥቓስ ነቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ገሊፆም ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ መድሓኒት ንሕሙማት ዓሶ ብሓፈሻ ከም ቅቡል ዝወሰድ መድሓኒት ምዃኑ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ።

ትራምፕ ሃይድሮክስክሎሮኪን ውፅኢታዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ'ዩ ክብሉ እቲ ቫይረስ ከይሓዞም ነቲ መድሓኒት ክጥቀሙ ፀኒሖም ኣለው።

ብኻልእ ዜና ስዑዲ ዓረበ ዝተኣወጀ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ዝመፅእ ሰንበት ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ፣ኣብ መስጊድ ምፅላይን ኣብ ኣብያተ መግቢ ምምጋብን ብዝሓውስ ንምፍኳስ ተዳሊያ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ኩሉ እገዳ ድማ 11 ሰነ 2020 ከብቅዕ እዩ። ስዑዲ ዓረብ በቲ ቫይረስ ዝተተሓዙ 75,000 መዝጊባ ኣላ።

ኣብ ቺለ ብዝሒ ኣብ ሓደ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ዝለዓለ ተመዝጊቦም ኣለው።4,895 ከምዝተመዝገቡ ናይታ ሃገር ስበስልጣን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣን ያ ቦሪስ ጆንሰን 1 ሰነ 2020 ካብገዛ ወፃኢ ዝርከቡ ዕዳጋታት ዳግም ከምዝኽፈቱ ኣፍሊጦም። 15 ሰነ ድማ ኩሎም መደብራት ዕዳጋ ክኽፈቱ እዮም። ጆንሰን ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ብዘየስዕብ እቲ እገዳ ክፎክስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG