ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ንስትራቴጂካዊ ሸሪክነት ዝዓለመ ዑደት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን የካይዱ


ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ንተራ ኣሜሪካ ኣብ ምውሓስ ዞባዊ ጸጥታ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንምዝታይ ሎሚ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ኣለው።

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ኣብዚ ሰሙን ናብቲ መራሕቲ’ቲ ከባቢ ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንዞባዊት መቀናቅንቶም ኢራን ዝምልከት ሰለዎ ሓድሽ ኣቀራርባ ተሃንጥዮም ኣብ ዝርኸብሉ ጊዘ’ዮን ንማእከላይ ይበጽሑ ኣለው።

ንሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ነቲ ኣብ ጎረቤት ስዑዲ ዓረብ የመን ኣጋጢሙ ዘሎ ቀውሲ ቅድሚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ናብታ ሃገር ምውፋሩ ክፍታሕ ጸዊዖም።

እቲ ኣብ የመን ዝተላዕለ ግጭት ኣብ መንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝኻየድ ናይ ውክልና ኹናት’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

ሚኒስተር ምኽልኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ድሕሪ ምስ ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ምርኻቦም ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ ግብጺ፡እስራኤልን ኳታርን ንምርኻብ ናብዘን ሃገራት ከምዘምርሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ድማ ኣብ ጅቡቲ ከምዝበጽሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG