ዕጡቓት ሑቲ የመን ትማሊ ሰንበት 3 ታሕሳስ 2023 ዝተኮሱዎ ሰለስተ ባለስቲክ ሚሳይላት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንሰለስተ መራኽብ ንግዲ ሃሪሙ፡ ዝተወሰነ ጉድኣት እንተውረደ'ውን ኣብ ህይወት ዝወረደ ሞት የለን። መርከብ ውግእ ኣመሪካ ድማ ኣብቲ ንስዓታት ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ብርእሰ-ምክልኻል ንሰለስተ ድሮናት ወቒዓ ከምዘደቐት ሰራዊት ኣመሪካ ገሊፁ።
ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቓት ሑቲ ንኽልቲኦም መጥቓዕታት ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ባሕሪ እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ መጥቓዕቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ይካየድ ምስ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ኣብቲ ግጭት ንመጀመርታ ግዜ ብዙሓት መራኽብ ኣብ ሓደ መጥቓዕቲ ሑቲ ኣትየን ኣለዋ።
ኣመሪካ ድሕሪ እዚ መጥቓዕቲ "ኩሉ ግቡእ ግብረ መልስታት ኣብ ግምት ክተእትው’’ እያ ክትብል ብፍላይ ድማ ኢራን ብቕልጡፍ ይድንፍዕ ብዘሎ ኑክሌራዊ ፕሮግራማ ንዓመታት እናወሰኸ ይኸይድ ብዘሎ ወጥሪ ንቴህራን ጠቒሳ ኣላ።
ማእኸላይ ወታሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ "እዞም መጥቓዕትታት ንዓለምለኸ ንግድን ድሕንነት ባሕርን ቀጥታዊ ስግኣት እዮም’’ ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ "ንህይወት እቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ሰራሕተኛታት ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ኣእትዮምዎ ኣለው’’ ኢሉ።
እቲ መግለፂ ብምውሳኽ"እቶም መጥቓዕታት ካብ የመን ብዓመፅቲ ሑቲ ዝተፈነው እንተኾኑ እውን ኢራን ምሉእ ብምሉእ ዝለኣኸለቶ ከምዝኾነ እውን ንክንኣምን ብቑዕ ምኽኒያት ኣለና’’ ኢሉ ።
ቅጥዒ