ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጂሃዲ ጆን ካብ ነፋሪት ብዝተተኮሰ ሚሳይል ተቐቲሉ ይኸውን'ዩ ተባሂሉ


FILE
FILE

ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ንዝተጨውዩ ምዕራባዊያን ኽሳዶም እናቐረጸ ብተደጋጋሚ ብቪዲዮ ዝርአ ጨካን እንግሊዛዊ ናዕበኛ ዳዕሽ 'ጂሃዲ ጆን'ኣብ ሶሪያ ካብ ነፋሪት ብዝተተኮሰ ሚሳይል ከምዝተቐትለ ርግጸኛ ምዃን ብምኽኑይነት ምዝራብ እዩ ኢሉ ወታደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ።

ኣንጻር ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ዝካየድ ብዩናይትድ ስቴትስ ናይ ዝምራሕ ሓይሊ ጥምረት ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ኮለኔል ስቲቭ ዋረን ከምዝሓበሩዎ ትማሊ ሓሙስ ብመኪና እናተጉዓዘ ከሎ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ይኣምኑ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንሶም እቶም አብዚ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት ጂሃዲ ጆንን ዘዋሪ መኪንኡን ምዃኖም ንምውሳን ናይ መወዳእታ መረጋገጺ የድሊ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG