ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ከተማ ቤይሩት ብዝፈጸመቶ ደብዳብ 22 ሰባት ሞይቶም


ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቤይሩት
ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቤይሩት

እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ማእኸላይ ቤይሩት ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሕዝቦላህ መጥቓዕቲ ምክያዳ ስዒቡ ብውሑዱ ን22 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 117 ቆሲሎም። ምምሕዳር ባይደን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ተካይዶ መጥቃዕቲ ከም ዝድገፍ ብምግላፅ ሊባኖስ ናብ ካልኣይቲ ቓዛ ክትቕየር ግን ከም ዘይደሊ ገሊፁ።

እቲ ናይ ቤይሩት ዕንወት ምስ ቓዛ ተመሳሳሊ እዩ። ንዕጡቓት ሕዝቦላህ እናሃደነት ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እታ ዋና ከተማ ንዝርከቡ ትሕዝቶታት ዒላማ ብምግባር ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ተኻይድ መዓልታት ኣቑፂሩ ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ ፍልይቲ ኣዋሃዲት ሕቡራት ሃገራት ጀኒ ሀኒስ ፕላሸት ልዕሊ 2,000 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ድማ ከምዝቖሰሉን ከምኡ እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ብድምር ብዙሓት ሰባት ክትሓስቦ ዘፀግም ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው ኢላ።

ምምሕዳር ባይደን ተኹሲ ሰው ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG