ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝምራሕ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት መክሲኮን ካልኦት ሰብ-መዚ እታ ሃገርን ድሕሪ ምርኻቡ፡ መክሲኮ ናብ ኣመሪካ ንዝቐንዑ ስደተኛታት ንምዕጻው መስርሕ ጀሚራ ኣላ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ኣብ ዶባት ኣመሪካ ንዝርከብ ቴንዳታትን መጻንሒን ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ምፍራስ’ዩ።
ካብ ሰሉስ ጀሚራ፡ መክሲኮ ብዶዞራትን ካልእ መሳርሒን ተጠቒማ ነቲ ኣብ መሰጋገሪ ዶብ ከም ግዜያዊ ሰፈራታት ተመስሪቱ ዝጸንሐ ቴንዳታትን ካልእ መጻንሒን ከተፍርሶ ጀሚራ ኣላ።
ኣብዚ ርክብ ክልተ መራሕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ምክልኻል ዶባት ጸቒጣ ክትሓትት እንከላ፡ ንመክሲኮ ግን ቀዳምነት ዝወሃቦ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ተኣጓጒሉ ዝጸንሐ ቍጠባዊ ሽርክና ክልተ ሃገራት ዳግም ምብርባር’ዩ።
ኣመሪካ ንዋሕዚ ስደተኛታት መዕገቲ ክግበረሉ ክትሓትት እንከላ፡ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ክልተ ሃገራት ፍርያት መስኪኮ ኣዝዩ ተሃይስዩ ብምቕናዩ፡ እቲ ዝተዓጽወ መስመራት ዳግም ቀልጢፉ ክኽፈት መክሲኮ ትሓትት።
መክሲኮ ኣስታት 32-ሽሕ ካብ ሰራዊታ፡ እዚ 11% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ወታሃደራታ ምዃኑ’ዩ፡ ኣብ ምክልኻል ዶባት ኣዋፊራቶም ኣላ። እዚ ብዝሒ ግን ዛጊት እቲ ኣመሪካ እትደልዮ ውጽኢት ኣይሃበን ዘሎ።
ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ማኑወል ሎፐስ ኦብራዶ፡ ንምስ ጓቲማላ ዘራኽብ ደቡባዊ ወገን፡ ስደተኛታት ከይሓልፉ ኣትሪሩ ክዓጽዎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ዘዳለዎ ጸብጻብ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ግን ንቁጠባዊ ማዕቀብ ኲባን ቬነዙዋላን ከተልዕል፡ ከምኡ ድማ ናብተን ሃገራት ሓገዝ ክትልእኽ ሓቲቱ ኣሎ ይብል ።
ቅጥዒ