ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክሬን ደው ንምባል ምስ ዩክሬን ሩሲያን ውዕል ክግበር ቀሪቡ ከም ዘሎ ገሊፆም። ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ትማሊ ሰኑይ ንፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣንጊዱ ኔይሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክሬን ደው ንምባል ውዕል ክገብር እዩ ድልየቶም። ኲናት ዩክሬን ትማሊ ሶኑይ ሳልሳይ ዓመቱ ኣቑፂሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ዩክሬን ዝካየድ ውዕል ኣብ ማዕድናት ዝካየድ ስምምዕ ከም ዘጠቓልል ብምግላፅ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክፍርምዎ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም።
ቅጥዒ