ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝረኣየቶ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ገለ እገዳታት ምልዓላ ገሊጻ


 ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፀጥታ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጆን ከርቢ - ፋይል
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፀጥታ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጆን ከርቢ - ፋይል

ኣመሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዘርኣየቶ ምምሕያሽ ተነቢሩ ዝነበረ ገለ እገዳታት ከምዝተላዕለ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፀጥታ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጆን ከርቢ ዓርቢ 30 ሰነ 2023 ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ዝተራእየ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን ኣብ ሕዳር ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ እዩ ኢሉ። እቲ ስምምዕ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብጥምየት ክሳቐዩ ፣ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ክቕተሉን ዝገበረ ውግእ ዘብቅዐ እዩ።

እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ ብሓፈሻ ምንካይ ግህሰታት እንተሃለወ እውን ተሓለቕቲ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምፅራይ ዓሌት ሓዊሱ ህውከት ከምዝቐፀለ ይገልፁ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጆን ከርቢ "ረድኤት መግቢ ደው ክነብል ከለና ኣብ ገሊኡ ዓይነት ረድኤት እተወሰነ እገዳታት ነልዕሎ ኣለና’’ ኢሉ።ንሱ ብምውሳኽ "እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንኽመፅእ ንገብሮ ደገፍ ዘሕይል እዩ ዝብል እምነት ኣለና’’ ኢሉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ብወገኑ ዝህቦ ሓገዝ ንሰላምን ዕርቅን ዝድግፍ ምኳኑ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ "ናይቲ ሓገዝ ቐጻሊ ጠመተ ዝተቐበሩ ፈንጅታት ምፅራግ፣ ናይ ስግግር ፍትሕን ተሓታትነትን ሓዊሱ ብዝግበሩ ፃዕርታት ንስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታትን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ኣብ ምቕጻል ዝሕግዝ እዩ’’ ኢሉ ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘይመንግስታዊ ብዝኾኑ ኣካላት ዝፍፀሙ ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ሻቖለትና ምልዓልናን ምዝራብናን ክቕፅል እዩ። መንግስቲ ንስቪላት ሓለዋ ክገብርን ነቶም ገበኛታት ተሓተቲ ክገብርን ንምሕፀን ኣለና’’ ኢሉ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ቁጠባን ፀጥታን ንኢትዮጵያ ይህቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምድራት ካብ ቀረፅ ነፃ ዝኾነ ሃገራት ዝሓዘ ፕሮግራም ኣጎዋ'ውን ንኢትዮጵያ ምውጽኡ ይዝከር። ናብ ተጠቃምነት ኣጎዋ ንምምላስ ዘኽእል ግን ካልእ መስርሕ ምዃኑ ጆን ከርቢ ገሊፁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG