ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መንገዲ ኣየር ቱርኪን ኢማራትን ዘሕለፈቶ ናይ ላፕቶፕ ኮምፕዩተር እገዳ ምልዓላ ገሊጻ


ኣሜሪካ፡ መንገዲ ኣየር ቱርኪን ኢማራትን ናብ ሃገራ ንዘካየድዎ በረራ ላፕቶፕ ኮምፑተርን ካልእ ኤሌክትሮኒክስ ከየእትዋ ዘሕለፈቶ እገዳ ምልዓላ ገሊጻ። ኣሜሪካ ነዚ እገዳ ዘልዓለት እተን መንገዲ ኣየር ሓድሽ መስርሕ ፍተሻ ጸጥታ ብምትእትታወን ምኳኑ እተን መንገዲ ኣየር ሓቢረን።

ኣሜሪካ ካብ 10 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝኻየድ በረራ ዝኣትው ኤሌክትሮኒክ ኣቑሑት እገዳ ምንባራ ይዝከር።

ወሃቢት ቃል መንገዲ ኣየር ዓረብ ኢማራት ሓድሽ ናይ ፍተሻ መሳርሒ ብምትእትታዎም እቲ እገዳ ምልዓሉ ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንገዲ ኣየር ኢማራት ናብ ኣሜሪካ ዘካይዶ በረራ ከምዝጎደለን ናብ ሓሙሽተ ክፍለ ግዝኣታት ዘካይዶ በረራ ድማ ምቁራጹ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣሜሪካ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ናብ ኣሜሪካ ናይ ቀጥታ በረራ ዘካይዳ ነፈርቲ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ፍተሻ ከካይዳ ወይ ድማ ተሳፈቲ ከም ላፕ ቶፕ ዝአመሰላ ኤሌትሮኒክ ሒዞም ከይኣትው ክኽልክላ ዝብል ምርጫ ምሃቡ ይዝከር።

እቲ እገዳ ካብ ወርሒ መጋቢት,2017 ዓ.ም ጀሚሩ ዝጸንሓ ኮይኑ ምትእትታው እቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ እቲ እገዳ ክለዓል ሓጊዙ’ዩ።

እቲ እገዳ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆርዳን፡ኩዌት፡ግብጺ፡ስዑዲ ዓረብ፡ሞሮኮን ቐጠርን ናብ ኣሜሪካ ዝካየድ ናይ ቐጥታ በረራ ጸኒዑ ምህላው ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG