ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩሲያ ንደገፍቲ ሊቢያ ገንዘብ ኸፊላ ወታደራት ኣሜሪካ ክቕተሉ ገይራ ንዝብል ፀብፃብ ክምርመር ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ፀዊዖም


U.S. Capitol
U.S. Capitol

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሩሲያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ክቐትሉብታሊባን ንዝድገፉ ሚሊሽያታት ገንዘብ ኸፊላቶም ዝብል ዜና ቕልጡፍ ምርመራ ክግበረሉ ትማሊ ሶኑይ ፀዊዖም።ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ካብ ማሕበረሰብ ስለያ ዩናይትድ ስቴትስ ምሉእ መብርሂ ኣይተውሃቦምን ክብል ዋይት ሃውስ ነቲ ፀብፃብ ነፂጉዎ ኣሎ።

ሓንቲ ወታደራዊ ኣሃዱ ሩሲያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብታሊባን ዝሕገዙ ሚሊሺያታት ንወታደራት ዩናይትድስቴትስ ንክቕትሉ ገንዘብ ምኽፋሎም ዝምልከት ማሕበረሰብ ስልያ ዩናይትድ ስቴትስ ንትራምፕሓበሬታ ኣብፂሖምሎም ይብል ፀብፃብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ።

ዋይት ሃውስ ነቲ ናይ ታይምስ ፀብፃብ ሓሶት ኢሉዎ ኣሎ።ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ከይሊ ሚክናኒኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ስለያ ሓባራዊ ምርድዳእ ኣይነበረን፤የግዳስ እቲ ሓበሬታ ክሳብ ዝረጋገፅ ናብ ፕሬዝዳንት ክብፅሕ የብሉን ዝብል ሪኢቶታት እውን ኣብ ውሽጦም ነይሩ ክትብል ገሊፃ።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ነቲ ዝብሃል ዘሎ ኣይሰማዕኹን ክብሉ ብናይ ትዊተር መልእኽቶም ምግላፆም ስዒቡ ዴሞክራት ኣባልት ሰኔት እዚ ሰበብ እዩ ኢልምዎ ኣለው።ዴሞክራትሰኔተር ቻክ ሹመር ‘’ፕሬዝዳንት ትራምፕ ብኽልቲኡ ከሲርኹም ኢኹም’’ ምስ በሉ ‘’ኣብዚ ኣገዳሲ ጉዳይ እዚ መብርሂእንተ ዘይተዋሂቡኩም፣ክንድዚ ዝኸውን ኣገዳሲ ነገር ናባኹም ከይበፅሐ እንተተሪፉ ከመይገይርኹም ክተመሓድሩ ትኽእሉ? ብዛዕብኡ መብርሂ ተዋሂብኩም እንተኾይኑን ዝወሰድኩምዎስጉምቱ ዘየለ እንተኾይኑ ድማ ዝኸፍአ እዩ። ክትሓፍሩ፣ክትሓፍሩ ኣለኩም’’ ክብሉ ነቒፎምዎ።

ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ እውን ስለምንታይ እቶም ፕሬዝዳንት መብርሂ ዘይተውሃቦም እናበሉ ይሓቱን ነቲ ክሲ ብኽብደት ክሪኢዎን ይፅውዑ ኣለው።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ፅኑዕ ዘይምዃኖም ተወሳኺ መርትዖ እዩ ይብሉዴሞክራት።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ከይሊ ሚክናኒ ግን ነቲ ነቐፌታ ነፂጋቶ ኣላ።’’ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ኣዚዩ ብርቱዕ መርገፂ እዩ ዘለዎም።ኣብ ልዕሊ ኣማእቲ ሩሲያዊያን ወልቀሰባት እገዳ ኣንቢሮም፣ንዓሰርተታት ዲፕሎማሰኛታት ኣባሪሮምን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስጉምታት ወሲዶምን እዮም’’ ኢላ።

ክልቲኦም ሩሲያን ታሊባንን ገንዘብ ተኸፊሉ ንዝብል ሪፖርት ኣሉታ ሂቦምሉ ኣለው።እቲ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ፀብፃብ ግን ብናይ ብሪታኒያ ስለያ እውን ተረጋጊፁ ኣሎ።ሹመርን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪዩናይትድ ስቴትስ ናንሲ ፐሎሲን ኩሎም ኣባላት ኮንግረስ ብዛዕባ እዚ ናይ ስለያ ሓበሬታን እቶምፕሬዝዳንት ማዕረ ክንደይ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብሉን ምሉእ መብርሂ ክወሃቦም ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG