ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ኬንያን ናይ ምክልኻል ስምምዕ ፈሪመን


ኣመሪካን ኬንያን ናይ ምክልኻል ስምምዕ ፈሪመን
ኣመሪካን ኬንያን ናይ ምክልኻል ስምምዕ ፈሪመን

ኣመሪካን ኬንያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግብረ-ሽበራ ንምቅላስን ኬንያ ኣብ ሃይቲ ተካይዶ ጻዕርታት ተልእኾ ጸጥታ ንምድንፋዕን ዘኽእል ናይ ምክልኻል ስምምዕ ተፈራሪመን።

እዚ ምዕባለ’ዚ ይስማዕ ዘሎ፣ ኬንያ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ናብ ህውከት ዕዋሉ ጸገም ይፈጥረላ ዘሎ ሃይቲ ንከዋፍር ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትንን ኬንያዊ መዘነኦም ኣደን ዱኣሌ፣ ነቲ ውዕል ኣብ ናይሮቢ ፈሪሞም ኣለው። እዚ ውዕል’ዚ፣ ንዝቅጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝውዕል ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ይገልጽ።

ኬንያ ነቲ ኣብ ሃይቲ ዝወፍር ሰራዊት ሃገራት ንምምራሕ ፈቃደኛ ምዃና ዝናኣዱ ሎይድ ኦስትን፣ ኣመሪካ ክሳብ 100 ሚልዮን ዳለር ንክትሐግዝ ምስ ቤት ምኽሪ ክትሰርሕ እያ ኢሎም።

ኬንያ ሓደ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብ ሃይቲ ክትልእኽ መደብ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG