ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካዊያን ኣይሁድ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ሰልፊ የካይዱ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣመሪካዊያን ኣይሁድ ምስ ፍልስጤማዊያን ዘለዎም ምሕዝነት ንምግላጽ፣ ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ’ቲ ሰልፊ ንክትሳተፍ ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚሽጋን ዝመጸት ሜገን፣ ንትካል ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "እቲ ኩነታት ንጹር እዩ፣ዘይእመን ቃንዛ ህዝቢን ሞት ህይወትን ኢና ንሪኢ ዘለና ልበይ ተሰይሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቓዛ ይወርድ ዘሎ ንክትጻወሮ ዝካኣል ኣይኮነን" ኢላ።

ሚርያም ግሮስማን ዝተባሃለት ብወገና "መፍትሒኡ፣ ተወሳኺ ቅትለት ኣይኮነን" ትብል።

"ግፍዒ እዩ ዝፍጸም ዘሎ፣ ሓዘና ከም መሳርሒ ምጥቃም ክንኩንን ይግባእ"ትብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG