ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ንዩክለር ኢራን ተዘራሪቦም


U.S. President Barack Obama meets with Israel's Prime Minister Benjamin Netanyahu in the Oval Office of the White House in Washington, March 5, 2012
U.S. President Barack Obama meets with Israel's Prime Minister Benjamin Netanyahu in the Oval Office of the White House in Washington, March 5, 2012

ዲፕሎማሲ ቀዳምነት ንክረክብ'ውን ተሰማሚዖም

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ንሶምን ቀዳማይ ምንስቲር ቤንያሚን ኔታንያሁን ኣብ ምስሕሓብ ምስ ኢራን ንዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ቀዳምነት ኢና ንህብ እንተኾነ መራሕቲ ኢራን ኣፅዋር ንዩክለር ኣይንውንን ኢሎም ክውስኑ ይግባእ ኢሎም።ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብወገኖም፣ ሃገሮም ፕሮግራም ንዩክለር ኢራን ንክቋረፅ ሓይሊ ዲፕሎማስን ማዕቀብን ክሰርሕ‘ዩ ዝብል ተስፋ መሊኡ ተፀንቂቁ‘ዩ ኢሎም።

ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ሓደ ነጥቢ - ኢራን ኣፅዋር ንዩክለር ክትውንን ኣይግባእን ኣብ ዝብል ይሰማምዑ።

እንተኾነ መራሕቲ ኢራን ንዩክለር ቦምብ ካብ ምስራሕ ንክቁጠቡ ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ንማዕቀብ ዕድል ክዋሃቦ ይግባእ ኣብ ዝብል ኣፈላላይ ኣለዎም መራሕቲ ኣሜሪካን እስራኤልን።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዘረበኦም፣ኣሜሪካ ንድሕነት እስራኤል ኩሉ-ሻዕ ትግደስ‘ያ፤ግን ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክሳብ ፍረ ዝህልዎ ግዜ ኣድላዪ‘ዩ ኢሎም።

“ነዚ ምስሕሓብ‘ዚ ንምፍታሕ ማዕቀብ ክሰርሓሉ ዝኽእለሉ ጊዜ ኣሎ ኢልና ኢና ንኣምን።መእሰሪ‘ዚ ምስሕሓብ ግና፣መራሕቲ ኢራን ናብ‘ዚ ኣንፈት‘ዚ ከቅንዑ እንተኺኢሎም ጥራሕ‘ዩ።ክሳብ ሎሚ ግና ኣፋፍኖት ኣይንሪኢን ዘለና” ኢሎም ኦባማ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኮሚቴ ህዝባዊ ርክባት እስራኤል ኣሜሪካ AIPAC መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፣ኢራን ንዩክሌር ቦምብ ካብ ምውናን ዝዓግት ኩሉ ኣማራፂታት ኣብ ኢድና ኣሎ ኢሎም።

”እዛ ይሁዳዊት ሃገር፣እቶም ከጥፍኡዋ ዝፍትኑ ዘለው ሓይልታት ዒላማኦም ንምዕዋት ዘኽእሎም ኣፅዋር ክውንኑ ኣይትፈቅደሎምን‘ያ።ኢራን ንዩክሌር ቦምብ ካብ ምውናን ክትግታእ ኣለዋ“ ባሃላይ‘ዮም ኔታንያሁ።

ኢራን ግና ፕሮግራም ንዩክለር ንሰላማዊ ዕላማ‘ምበር ንዩክለር ቦምብ ንምስራሕ ኣይኮነን‘ያ ትብል።

XS
SM
MD
LG