ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ ዳዒሽ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ንመራሒ’ቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣሕመድ መላይኒን ምቕታላ ሰብ-መዚ ፑንትላንድ ሓቢሮም።
ምስ ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ሶማል ቃለ-መሕትት ዘካየደ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፑንትላንድ ዓብዲፈታሕ መሓመድ ኣብዲኑር፡ ሶማልያ ምስ ዓለምለኸ መሻርክቲ ብምዃን ንምንቅስቓስ መላይኒን ኣብቲ ዞባ ክከታተሉ ከምዝጸንሑ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ዖማን ዝተወልደን ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝነበረን መላይኒን ብዓለምለኸ ገበናት ክድለ ምጽናሑን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ጎቦታት ፑንቲላንድ ተሓቢኡ ምንባሩን ተሓቢሩ’ሎ።
ወታሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ (ኣፊርኮም) ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መላይኒን ምስ 13 ካልኦት ኣባትን ዳዒሽ ኣብቲ 1 ለካቲት 2025 ምስ መንግስቲ ሶማልያ ብምትሕብባር ዝተኻየደ ስርሒት ምቕታሎም ሓቢሩ።
ቅጥዒ