ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ምውንጫፍ ሮኬት ኢራን “ዘስግእ ተዂታዅ ስጉምቲ'ዩ” ክትብል ገሊጻቶ


 ብሚንስትሪ ምኽልኻል ኢራን ዝወጸ ንምውንጫፍ እቲ ሮኬት ዘርእይ ምስሊ
ብሚንስትሪ ምኽልኻል ኢራን ዝወጸ ንምውንጫፍ እቲ ሮኬት ዘርእይ ምስሊ

ኣሜሪካ፣ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን ኢራን ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝወንጨፈቶ ሮኬት ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ብምኳኑ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምርመራ ከካይድ ሓተቲን።

ንኣርባዕቲአን ሃገራት ብምውካል ኣሜሪካ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስን ናብ ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ዝለኣኸቶ ደብዳበ ‘’እዚ ብኢራን ዝተወስደ ፈተን ምውንጫፍ ሮኬት ዘስግእ ናይ ምትኹታኽ ስጉምቲ እዩ’’ ይብል ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢራን ሳተላይት ዝተሸከመት ሮኬት ብዕዉት ኣገባብ ናብ ህዋ ልኢኸ ኣለኹ ክትብል ኣዊጃ።እዚ ሮኬት 250 ኪሎ ግራም ሳተላይት ናይ ምሽካምን ክእለት፡ ካብ መሬት ንላዕሊ 500 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ናይ ምጉዓዝን ተኽእሎ ዘለዋ ሮኬት እያ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝተፈረመ ንኒኩሌራዊ ምንቅስቓሳ ኢራን ዝድርት ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ማዕቐብ ዘቕልልን ስምምዕ ሰነድ ምትኳስ ቦለስቲክ ሚሳይል ኣይተኸልከለን።ይኹን እምበር ኢራን ምስ ቦልስቲክ ሚሳይል ዝራኸብ ምንቅስቓስ ከይትገብር ዝፅውዕ ሰነድ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ፀዲቑ እዩ።

XS
SM
MD
LG