ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2 ኢራናውያን ንኣምባሳደር ስዑድ-ዓረብ ኣብ ኣሜሪካ ንምቅንፃል ውዲት ይፍሕሱ ነይሮም ተባሂሉ


 Manssor Arbabsiar
Manssor Arbabsiar

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ኤሪክ ሆልደር ነቲ ዜና ኣረጋጊፆም

ሰለልቲ ኢራን ንኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ክቅንፅሉ ይንቀሳቀሱ ነይሮም ክትብል ኣሜሪካ ከሲሳ።

ዋና ዓቃቢ-ሕጊ ኣሜሪካ ኤሪክ ሆልደር፣ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ክልተ ኢራናውያን ብገለ ባእታታት መንግስቲ ቴህራን ተዓሲቦም ነቲ ቅትለት ንክፍፅሙ እናሰርሑ ተረኺቦም ኢሎም።

“እቲ ክሲ፣እቲ ውዲት ኣብ ኢራን ተወጢኑ፣ብኢራን ተደጊፉን ተኣዚዙን‘ዩ ዝብል።እዚ ድማ ንሕጊ ኣሜሪካን ዓለምን ዝጣሓሰ‘ዩ።ካብኡ ሓሉፉ ነቲ ዲፕሎማታት ክድፈሩ የብሎምን ዝብል ስምምዕነት ዝረገፀ‘ዩ” ኢሎም ኤሪክ ሆልደር።

እቲ ዝቀረበ ክሲ፣ክልቲኦም ኢራናውያን ንኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ዓደል ኣል-ጀብር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ብልዒ ብቦምብ ንምቅንፃል ወጢኖም ነይሮም ይብል።ብዘይካ‘ዚ ኤምባሲታት ስዑድ ዓረብን እስራኤልን‘ውን ኣብ ዝርዝር መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ይጠቅስ።

ሓደ ካብ‘ቶም ዝተጠርጠሩ ኢራናውያን፣ዜግነት ኣሜሪካ‘ውን ዘለዎ መንሱር ኣርባብስያር፣ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኒውዮርክ ጆን ኤፍ ኬኔድይ ተታሒዙ‘ሎ።ጎላም ሸኩር ዝተባሃለ ካልኣይ ጥርጡር፣ኣብ ኢራን ኣባል ሰራዊት‘ታ ሃገር‘ዩ።

ዋና ዓቃቢ-ሕጊ ኤሪክ ሆልደር፣መንሱር ኣርባብስያር፣ከምዝተናዘዘን፣ተሳትፎ መንግስቲ ኢራን ኣብ‘ቲ ውዲት ብንፁር ከምዘቀመጠን ጠቂሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መንሱር ኣርባብስያር፣ጉጅለ ሓሽሽ ንኣምባሳደር ዓደል ኣል-ጀበይር ኣብ ቤት ብልዒ ዋሽንግተን ዲሲ ብቦምብ ንክቀትልዎ 1.5 ሚልዮን ዶላር ክንከፍል ኢና ከምዝበሉን፣ዕርቡን ሚእቲ ሽሕ ዶላር ከምዘትሐዙን ገሊፁ‘ዩ ይብል ካብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ሰነድ።

ኣሜሪካ ንኢራን ተሓታቲት ንምግባር ትወስዶም ስጉምቲታት ገና ብንፁር ኣይተፈልጠን ዘሎ።ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን ኣብ ዝሃበኦ ሪኢቶ፣ንኢራን ዝያዳ ንምንፃል ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪታት ይቅፅል‘ሎ ኢለን።

ናይ ኢራን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ግና፣ኣብ‘ቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ውዲት ኢራን ኢድ የብላን።ዕላማ‘ቲ ክሲ ካብ‘ቲ ኣሜሪካ ኣጋጢሙዋ ካብ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ትኹረት ንከይረክብ ዝተማሃዘ‘ዩ ኢሎም‘ለው።

ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ግና፣ኣብ ልዕሊ ኢራን ፅኑዕ ፀቅጢ ንክፍጠር ዝፅውዕ ድምፂ‘ዩ ተቃሊሑ።ካብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝኾኑ ዲክ ደርበን፣ ውዲት ቅንፀላ ኣብ መርየት ዩ-ስ ምብፅሑ፣ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሕሪቅዎም ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዋሽንግተን ኤምባሲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኸ ንቡራት ዝተፈፀመ ግልፂ ጥቅዓት‘ዩ ምስበለ ገበናዊ ተግባር ንከይፍፀም ንዝተኸላኸሉ ኣሜሪካውያን ሰበ-ስልጣን ድማ ናእድኡ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG