ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ፕሬዝዳንት ኦባማን ኮንግረስን ኣብ ጉዳይ ኢምግሬሽን


Obama Immigration
Obama Immigration

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስን ናብ ካሊእ ግጭት የምርሑ ኣለው።ብምኽንያት ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ኢሚግረሽን እታ ሃገር።ሪፓብሊካዊያን መራሕቲ ኮንግረስ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ሚሊዮናት ስደተኛታት ከይጥረዙ ምሕረት ንምሃብ እቶም ፕሬዝዳንት ስልጣኖም እንተድኣ ተጠቒሞም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ይብሉ ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ፍቓድ ኮንግረስ ከይሓተቱ ናይ ኢሚግረሽን ሕጊ ንምምሕያሽ ናይ ፈፃሚ ስራሕ ስልጣነይ ንምጥቃም ተዳሊየ ኣለኹ ይብሉ ኣለው።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ-20 ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ከምዝሓበርዎ ካብ ገለ ኣባላት ኮንግረስ ብዝፍነው መጠንቀቕታታት ሓድሽ ሕጊ ኢምግሬሽን ካብ ምውፃእ ንድሕሪት ኣይብልን እየ ኢሎም።

ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ኮንግረስ ምጉት ዘይተወድአ ሕጊ ንምውዳእ እዋኑ ሕዚ እዩ ኢሎም።

‘’ስልጣን እናሃለወኒ ብቐፃልነት ክፅበ ኣይክእልን እየ’’ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ክንዲ ንስድራታት ምፍልላይ ስርዓተ ሕጊ ኢምግሬሽን ክመሓየሽ ኣለዎ ኢሎም።ኩሉ ዝኣመነሉ ዘይሰርሕ ስርዓት ኢምግሬሽን ንምምሕያሽ እንድሕር ዘይፈቲነ ጉቡአይ ዘይፈፀምኩ መራሒ እየ ክኸውን እውን ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንኣፈጉባኤ ጆን በይነር ብተደጋጋሚ ከምዝሓበሩሎም እውን ገሊፆም።

ኮንግረስ ስጉምቲ እንድሕር ድኣ ዘይወሲዱ ነቲ ዝተሰበረ ስርዓት ኢምግሬሽን ብዝሓሸ ኣገባብ ንኽሰርሕ ሕጋዊ ስልጣነይ ከምዝጥቀም ቅድሚ ኣዋርሕ ንኣፈ-ጉባኤ በይነር ሓቢርሎም እየ ኢሎም ኦባማ።

ሰኔት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2013 ኣ/ፈ ዝተመሓየሸ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣፅዲቑ።ወከልቲ ህዝቢ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ነቲ ጉዳይ ኣይርኣዩዎን።

ኣፈ-ጉባኤ በይነርን ካልኦት ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪን ምሕረት ምሃብ ኢሎም ንዝፅውዖዎ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ሕጋውነት ንምሃብ ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ፈፃሚ ስራሕ ስልጣኖም እንተድኣ ተጠቒሞም ንደረት ሕገ መንግስታዊ ስልጣኖም ዝዘለለ እዩ ኢሎም።

ንሰበስልጣን ምምሕዳር ኦባማ ዝሓበራ መራኸቢ ብዙሃን እቲ መደብ ክሳብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዝበፅሑ ንኣሜሪካዊያን ህፃውንትን ሕጋዊ ነበርትን ንዝኾኑ ወለዲ ሕጋውነት ክህብ ይኽእል እዩ።

ኣፈ-ጉባኤ በይነር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እቶም ፕሬዝዳንት በዚ መንገዲ ክቕፅሉ እንተድኣ ኮይኖም ብኸቢድ ክንቃለሶም ኢና፤በዚ መንገዲ ምምሕዳር ጌጋ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሰኔት ዝርከቡ ሪፓብሊካዊያን እውን እቶም ፕሬዝዳንት ሰፊሕ በይናዊ ስጉምቲ ንኸይወስዱ ንምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወስዱ የጠንቅቑ ኣለው።ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ውርሒ ሕዳር ኣብዝተኻየደ ምርጫ ሪፓብሊካዊያን ነቲ ቤት ምኽሪ ተቖፃፂሮምዎ ኣለው።እዚ ማለት ድማ እቶም ፕሬዝዳንት ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ካብ ሪፓብሊካዊያን ፅኑዕ ተቓውሞ ከጋጥሞም እዩ።

ነዚ እውን ሪፓብሊካዊያን ካብ ብሕዚ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኢምግሬሽን ንምምሕያሽ ዝወስድዎ ስጉምቲ ኣብ ርክባት ዋይት ሃውስን ኮንግረስን ከቢድ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ክብሉ ዘጠንቅቑ ዘለው።

XS
SM
MD
LG