ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ኢምግሬሽን ዩናይትድ ስቴትስ ዝምልከት ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ


እቲ ቤት ፍርዲ ንመብዛሕቲኦም ኣሰሓሐብቲ ዓንቀፃት እንተሰዓሮም እውን…

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ፖሊስ ንዘይሕጋዊ ስደተኛታት ንምሓዝ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ካብ ዘውዐለቶም ንመብዛሕቲኦም ፅኑዓት ሕግታት ስዒሩዎ ኣሎ።እንተኾነ ግን ኣካል እቲ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ዝኾነ ዓንቀፅ መኮነናት ፖሊስ እታ ክፍለ ግዝኣት ብኻሊእ ምኽንያት ጠጠው ንዘበልዎ ሰብ ኩነታት ኢሚግሬሽኑ ክሓትት ይኽእል እዩ ዝብል ዓንቀፅ ኣፅኒዑዎ’ሎ።

ዋላዃ ዝሓለፈ ሰኒ ዝተውሃበ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሰልሰተ ኣገደስቲ ኣካልት እቲ ሕጊ እንተሰዓረ’ውን ‘’መንነትካ/ኪ ወይ’ውን ወረቐትካ/ኪ ኣርአይኒ/ኣርእይኒ’’ዝብል ሕጊ ክፀንዕ ምውሳኑ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተሎ ተወሳኺ ሕጋዊ ፈተነታት ከምፈጥር ሓቢሩ’ሎ።

ነቲ ሕጊ ዝቃወሙ ኣካላት እቲ ናይ ትማሊ ሰኒ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ኽርክር ቀፃሊ ምዃኑ ንፁር ገይሩዎ’ሎ ይብሉ።ዝርዝሩ የድምፁ

XS
SM
MD
LG