ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ከበድቲ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት 'ሎ ትብል - ኤርትራ ኸኣ ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ ምህዞን ዝተጋነነን'ዩ ትብል


US STATE DEPARTMENT
US STATE DEPARTMENT
ኣብ ኤርትራ ዝፍፀሙ ከበድቲ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ናይ 2013 ዓ.ም ፀብፃብ ከም ዝዘርዘሮ ነዊሕ ዝፀንሓ ሰፊሕን ኣዝዩ ዘጉህን'ዩ ፣ ግን ኸኣ ብግልፂ ምዝራብና ኣብዚ መዳይ ምምሕያሽ ንክግበር ንምትባብዕ ኣድላይ'ዩ ክብላ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ሴትይትስ ግዝያዊ ሓጋዚት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ንዲሞክራሲ ሰብኣዊን መሰላትን ሰራሕተኛን ኣዝራ ዝያ ን'ሪድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ'ቲ ፀብፃብ ምህዞ ኣዝዩ ዝተጋነነን ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎን'ዩ ክብል ነፂግዎ'ሎ።

ኣብ ሚኒስትሪ ወፃኢ ኤርትራ ዳይሬክተር ቤት-ፅሕፈት ሚኒስትሪ ኣቶ ፀሃየ ፋሲል ብዛዕባቲ'ቲ ፀብፃብ ምላሽ መንግስቶም ገሊፆም'ለዉ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
XS
SM
MD
LG