ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ መደበራት ሑቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ውጽኢታዊ ምንባሩ ትገልጽ


ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ሑቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ውፅኢታዊን ዝተደለየ ሸቶ ከምዝወቕዐ ሰበስልጣን ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ገሊፆም።

ትማሊ ረቡዕ ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሜጀር ጀነራል ፓት ራይደር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መጥቃዕቲ ማእከላይ እዚ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ መኣዘዚ መደበራት ሑቲ ዘተኮረ ምንባሩ ገሊፆም።

እዚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኣወጀ ስጉምቲ ምምሕዳር ባይደን እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መራኽብ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። እንተኾነ ንስጉምቲ ኣመሪካ ስዒቡ ዝመጽእ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ዝገልጹ ወገናት'ውን ኣይተሳእኑን።

ይኹን’ምበር ሰበስልጣን ኣመሪካ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ዘቋርፁ እንተኾይኖም ነቲ ውሳነ መሊሶም ክርእይዎ ምዃኖም ኣብ ዝገለፅሉ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብኣመሪካ እትውነን መርከብ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም ተገሊፁ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG