ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፓብሊካውያን ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ኣይተሰማምዑን


ተወካሎ ህዝቢ ሪፓብሊካውያን ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ኣይተሰማምዑን፡ ሪፓብሊካውያን ኣፈ-ጉባኤ ንምርቋሕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝገበሩዎ ዕጹው ክርክር፡ ነቲ ቦታ ንምምላእ ዝተሓርየ ቶም ኢመር ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምስሓቡ፡ ንተወካሊ ልዊዛና ዝዀነ ማይክ ጆንሶን ሓርዩ ኣሎ።

ቶም ኢመር ካብ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ ካብቲ ውድድር ምስሓቡ ቅጽበታዊ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ሕጂ ንመዝነት ተረቚሑ ዘሎ ማይክ ጆንሰን ግን ንምርጫ 2020 ክግልብጡ ካብ ዝፈተኑ ቀንዲ ደጋፊ ትራምፕ ምዃኑ ይንገር።

እንተዀነ፡ እቶም ክልተ ጫፋት ንምትዕራቕ ዝስእኑ ዘለዉ ተረቋሕቲ እዚ መዝነት ዛጊት ዘይበጽሑዎ፡ እቲ ዘድሊ ድምጺ ክረክብ ዝኽእል እንተዀይኑ’ዩ። ሪፓሊካውያን ሎሚ ረቡዕ ድምጾም ክህቡን ሓደ ሰብ ክመርጹን ትጽቢት ይግበር።

ባይቶ ኣመሪካ ብዘይ ቀዋሚ ኣፈ-ጉባኤ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ፓትሪክ ማክነሪ ብግዜያውነት ይመርሖ ኣሎ። ተራኡ ግን ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ኣብ ዝህሉ መስርሕ ንምስላጥ ጥራይ’ዩ። እዚ ግዜያዊ መዝነት ኣፈ-ጉባኤ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ከምዚ ዝመስል ክፍተት ስለ ዘይጸንሖ እዚ ቦታ ኣይተመልአን ጸኒሑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG