ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ፌደራል መንግስቲ ስርሑ ንኽሰርሕ ገንዘብ ብዘይምፅዳቑ ፈዴራላዊ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብኽፋል ተዓፅዩ’ሎ።ኣባላት ቤት ምኽሪ ናብ ሎማዕንቲ ለይቲ ዘውግሕ ክደራደሩ እንተሓደሩ እውን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንዝኸተምሉ ሕጊ ፖሊስ ጥዕና ገንዘብ ይመደብዶ ኣይመደብ ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።ብዴሞክርሲያዊያን ፓርቲ ዝዕብለል ሰኔት ብሪፓብሊካዊያን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ንዝቐረበ ናይ መወዳእታ ደቒቓ ስጉምቲ ነፂጉዎ’ሎ።ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ዋላዃ ኮንግረስ ስርሑ እንተዘይሰርሐ እውን ኣባላት ወታደራዊ ሓይልታት ዩናትይድ ስቴትስ ዝኽፈሎም ምዃኑ ዘረጋግፅ ስጉምቲ ፈሪመ ኣለኹ ኢሎም።ከምዚ ድማ ኢሎም።’’በጀት ንኸይሓልፍ ኣውዲቖምዎ ኣለው።ከም ሳዕቤኑ ድማ ኮንግረስ ንመሳለጥያ ዝኸውን ገንዘብ ክሳብ ዘፅድቕ መንግስትና ተፃፅዩ’ሎ።’’
ከም ሓውልቲ ዝኽሪ ሊንከንን ካልኦት ሙዚየማትን ዝኣመሰሉ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታትን ምልክታትን ተዓፂዮም።ኣብ ምሉእ ሃገር ዝርከቡ ሃገራዊ ፓርክታት እውን ተዓፅዮም ኣለው።ገለ 800 ሽሕ ሰራሕተኛታት ፌደራል ብግዚያዊነት ስርሖም ኣይሰርሑን።
ኣብ ካፒታል ሂል ይካየድ ዝነበረ ድራማ ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ መንግስቲ ገንዘብ ከመይ ይወሃቦ ዝብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፓርትታ ዘሎ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ካብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝተዋፅአ ሓደ ፍሉይ ኮሚቴ ክጣየሽ ዝሓትት ባይቶ ወከልቲ መፍትሒ ሓሳብ ኣፅዲቑ።ባይቶ ወከልቲ ንመንግስቲ ገንዘብ ዝፈቅድ ሰለስተ ውሳነታት ኣቕሪቡ።እንተኾነ ግን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንዝፈረምሉን ዴሞክራሲያዊያን ንዝደገፉዎን ናይ ጥዕና ሕጊ ገንዘብ ኣይንምድብን ኢሎም።
ላዕለዋይ መራሒ መወሰኒ ሕጊ/ሰኔት ሃሪ ሪድ ብስጉምቲ ባይቶ ወከልቲ ሕጉስ ኣይኮኑን።
ነገራት ንምፍታሕ ድልየት እንተሃለወና እውን ሻምበቆ ብረት ኣብ ርእሴና ተተኺሉና ግን ናብ ድርድር ኣይንኣቱን ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ንሶም ከምኡ እዩ ድልየቶም።መንግስቲ ክዕፆ እዩ ድልየቶም።’’ ኢሎም።
ንመንግስቲ ብቐጥታ ገንዘብ ክፍቀደን ፌዴራል መንግስቲ ድማ ዳግም ክኽፈትን ሕደገት ክገብሩ ገለ ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ይፅውዑ ስለዘለው እቲ ድራማ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ዝቕፅለሉ ዘሎ ኩሉ ናብ ኣፈጉባኤ ቦይነር እዩ ዝጥምት ዘሎ።ካልኦት ዓቃባዊያን ኣባላት ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ግን ፖሊሲ ጥዕና ነቲ ቁጠባ ዝጎድእ እዩ ክብሉ ዝሓዝዎ መርገፂ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ ኣለው።
ሪፓብሊካዊያን ሓድሽ ፖሊሲ ጥዕና ዩናይትድ ስቴትስ ግብራዊ ንከይኸውን ንምእጋድ ፃዕርታት እንተገበሩ እውን ንሚልዮናት ኣሜሪካዊያን ዕድል ጥዕና ኢንሹራንስ ዝህብ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምዝገባ ጀሚሩ’ሎ።