ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ — ክቱር ዛሕሊ ዘስዓቦ ሓደጋታት 9 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከንታኪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ
ኣብ ከንታኪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዝርአ ዘሎ ንፋስ ዝሓዘለ ዝናብን ዝሑል ኩነታት ኣየርን ኣብ ክፍለ-ሃገር ከንታኪ ብዘጋጠመ ምንዕልቕላቕ ውሕጅ ዝሞቱ ሸሞንተ ሰባት ሓዊሱ ትሸዓተ ሰባት ምማቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ውሕጅ ከንታኪ ህጹጽ ሓደጋ ብምእዋጅ ንምሕጋዝ ዝውዕል ባጀት ክልቀቕ ኣፍቂዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ክፍለ-ሃገር ኣንዲ በሺር መብዛሕትኡ እቲ ሞት ኣብ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕቑር ማይ ካብ ዝጠሓላ መኪና ዘጋጠመ ምዃኑ ብምግላጽ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ነበርቲ ካብቲ ሃንደበት ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምድሓኖም’ውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣስታት 39,000 ኣባይቲ ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምትራፈን ኣመሓዳሪ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ኒውዮርክን ኒው ኢንግላንድ ሓያል ውርጪ ክሃርም ተኽእሎ ከምዘሎ ትንበያ ኩነታት ኣየር ይገልጽ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG