ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ጉጅለ ግብረሽበራ ኢላ ዝመደበቶ ሓማስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እስራኤል ካብ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ቓዛ ክትወፅእ ዘተባብዕ እዩ ክብል ሎሚ ሓሙስ ገሊፁ።
እዚ ርእይቶ ሓማስ ፕረ.ትራምፕ እቲ ጉጅለ ንዝተረፉ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው እንተዘይፈቲሑ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል'ዩ ምባሎም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ንሶም ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ "ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሕጂ ክፍትሑ ኣለዎም: ድሓር ዘይኮነስ ብዘይውዓል ሕደር ኩሎም ዝሞቱ ወይ ንዓኻ ናይ መወዳእታኻ እዩ’’ ኢሎም።
ትራምፕ ብምውሳኽ "እስራኤል ነቲ ስራሕ ንምውዳእ ዘኽእላ ኩሉ ነገር ይልእኸላ ኣለኹ ከምቲ ዝብሎ ዘለኹ እንተዘይገርኻ ዋላ ሓደ ኣባል ሓማስ ድሕንነት ኣይህልዎን እዩ’’ ኢሎም።
እቲ ፈላማይ ምዕራፍ ምቁራፅ ተፃብኦ ቀዳም እዩ ኣብቂዑ። ሓማስ 33 እስራኤላዊያን ሓሙሽተ ታይላንዳዊያን ጅሆታት ክፈትሕ ከሎ እስራኤል ድማ ኣስታት 2,000 ፍልስጤማዊያን እሱራት ፈቲሓ ኣላ።
ኣመሪካ ምስ ሓማስ ቀጥታዊ ዝርርብ ከም ዘካየደት ዋይት ሃውስ ትማሊ ሓሙስ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ምንጭታት ከም ዝበሉዎ ትኹረት እቲ ዝርርብ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዝርከቡ ኣመሪካዊያን ጅሆ ምፍታሕ ዝምልከት እዩ።
ቅጥዒ