ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሎምፒክስ: ኣመሪካውያን ኣትለታት ጂምናስቲክስ ኣንጸባራቒ ዓወት የመዝግባ


ኣሜሪካዊያን ኣዋልድ ጂምናስቲክስ፣ ብደረጃ ጋንታ፣ መዘና ዘይተረኸበለን ኮይነን ኣለዋ።

ብሕልፊ ሲሞኒ ቢልስንን መሓዙታን፣ ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ኦሎምፒክ ሪዮ ብራዚል፣ ልዕሊ

ካልኦት መወዳድርተን ብልጫ ኣመዝጊበን’የን ንሜዳልያ ወርቂ ዝተቐበላ።

ኣብ ውድድር ጂምናስቲክ ደቂ ኣነስትዮ፣ ቻይና ካልኣይ ኮይና ነቲ ውድድር ዛዚማቶ’ላ።

ብካልእ ዜና ኦሎምፒክስ፣ ሰደቃታት ሜዳልያ ከምዝሕብሮ ኣሜሪካ ብ10 ኣውርቅቲ፣

9 ብሩራትን 9 ነሓስን ክትመርሕ ከላ፣ ቻይና ብ9 ኣውርቅቲ፣ 3 ብሩርን 8 ነሓስን ካልኣይ፣

ጃፓን ብ5 ኣውርቅቲ፣ 1 ብሩርን 10 ነሓስን ሳልሳይ ኮይነን ይከታተላ’ለዋ።

ሩስያ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጣልያን፣ ኣውስትራልያ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሃንጋሪን ፈረንሳይን ካብ ሻድሻይ

ክሳብ ዓስራይ ተሰሪዔን ኣለዋ። እዚ ስርርዕ’ዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ተቀያያሪ’ዩ።

ውድድራት ትራክን ፊልድን (ጉያ) ምስ ዝጅምር ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ስርርዕ

ከምዝካተታ ፍሉጥ’ዩ። ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ’ተን ክሳብ ዓስራይ ዝስራዓ ሃገራት

ክኾና’የን ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG