ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ ከፊላዊ ምዕጻው የንጸላልዎ


ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ- ፋይል
ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ- ፋይል

ባይቶ ኣመሪካ ከፊላዊ ምዕጻው ባጀት ኣብ ዘንጸላሉዎ ዘሎ እዋን ናብ ስራሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ፡ ካብቶም ዓቃባውያን ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ተሪር ጸቕጢ ኣለዎም። ሕቶኦም ወጻኢታት መንግስቲ ምጕዳል ዝብል’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሰነት ነቲ ንምዕጻው መንግስቲ ዘኽእል መንገድታት ንምጽባብ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ።

ነቲ ዘንጸላሉዎ ዘሎ ምዕጻው መንግስቲ፡ ገለ ካብቲ ኣዛራረቢ ዛዕባ ኰይኑ ዘሎ ብሰልፊ ደሞክራት ንዩክሬን ዝውዕል ሓገዝ’ዩ። እዚ ብፕረዚደንት ባይደን ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ብኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ሰነትን ኮንግረስን ተቐባልነት የብሉን። ነቶም ምጉዳል ወጻኢታት መንግስቲ ዝምጉቱ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ድማ ጽቡቕ መዛረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ንኽልቲኡ ተጻራሪ ጠለባት ከማልእ ዝፍትን ዘሎ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ’ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ምስቶም ኣፈ-ጉባኤ ኣቐዲሞም ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ይነግሩ። ሕጂ ዝስዕብ ዘሎ ጸቕጢ ድማ ምርዳኡ ዝጸገሞም ይመስሉ። ባይደን ድማ “ኣባላት ሪፓብሊካን ስራሖም እንተ ዘይገይሮም ኣይንምረጾም፡” ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ክልተ ሰልፍታት ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ኣብዮም መንግስቲ ክዕጾ ምስ ዝድፋእ ንሚልዮናት ኣመሪካውያን ክጸሉ’ዩ። እዚኣቶም ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብኣቶም ዝምርኰሱ ኣባላት ስድራቤቶም ምዃኖም’ዮም። ኣብዚ ምዕጻው መንግስቲ ቀዲሞም ዝጽለዉን ብዘይ ክፍሊት ክሰርሑ ዝግደዱን ኣብ ምቍጽጻር ኣየር ዝሰርሑ’ዮም። ካልኦት ኣስታት ሽውዓተ ሚልዮን ዝበጽሑ ኣብ ትሕቲ “ደቀስትዮን ህጻናትን ዕሸላትን” ዝብል ፕሮግራም ዝምእከሉ’ዮም።

ጉዳይ ምዕጻው መንግስቲ ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ክውዕል ንቡር ኰይኑ ኣሎ። ንፕረዚደንታዊ ውድድር 2024 ዝቀራረቡ ዘለዉ ዶናልድ ትራምፕ “ዕጸዉዎ፦” ክብሉ ንምዕጻው መንግስቲ ዘለዎም ድጋፍ ኣስሚዖም ኣለዉ።ዶናልድ ትራምፕ “ኵሉ እትጠልቡዎ ነገራት እንተዘይተማሊእልኩም ዕጸዉዎ፡” ክብሉ ድማ ንኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ተላብዮም ኣለዉ፡።

መንግስቲ ብኸፊላዊ ክዕጾ ድዩ ወይስ ክቕጽል ቀዳም ምሸት’ዩ ከፍለጥ።

ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲን እቲ ምዕጻው ዘይተርፍ እንተዀይኑ፡ ንኣርባዕተ ወሰንቲ ኣካላት ከቕጽሉ ተስፋ ይገብሩ። ኣፈ-ጉባኤ ቀዳምነታት ሂቦሞም ዘለዉ ኣርባዕተ ኣካላት መንግስቲ ምክልኻል፡ ውሽጣዊ ድሕነት (ሆምላንድ ሰኩሪቲ) ሕርሻን ናይ ደገ ዝምድናታትን’የን።

ኬቨን ማካርቲ መንግስቲ ክዕጾ ከም ዘይድልዩ ይሕብሩ። ንዅሉ ዘተዓርቕ ነጥቢ ክበጽሑን ክዘራረቡን ድማ ይጽውዑ።

እቲ ዝመጽእ ዝዓበየ ብድሆ ግን ካብቶም ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን’ዩ። ንሳቶም ከም ዝብሉዎ፡ ኬቨን ማካርቲ ንጠለቦም እንተ ዘየማሊኦም ንዕኦም’ውን ካብቲ መዝነት ንምእላዮም ክሰርሑ ምዃኖም የጠንቅቑ ኣለዉ። ማካርቲ ኣቐዲሞም ናብ መዝነት ኣፈ-ጉባኤ ክመጽኡ እንከለዉ፡ ምስቶም ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ኣባላት ሰልፎም ኣብ ስምምዕ በጺሖም ምንባሮም ይዝከር። ሕጂ ድማ ቃሎም ከኽብሩ ይጽውዑ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ዋይትሃውስ ንዩክሬን ሓገዝ ዝቕጽልሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ኣለዉ።

ኮንግረስ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ከም ዝበጽሕ ግን ክሳብ ቀዳም እቲ ክትዕን ዝርርብን ምቕጻሉ ኣይተርፍን፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG