ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ፓሪስ መጥቓዕቲ ኮኒናቶ


Obama France Newspaper Attack
Obama France Newspaper Attack

ዩናይትድ ስቴትስ ፓሪስ ኣብዝርከብ ናይ ፈረንሳይ ናይ ሕጫጨ መፅሄት ቻርሊ ሀብዶ ን12 ሰባት ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኮኒናቶ።ሓገዝ ንምሃብ እውን ሰበስልጣን ቃል ኣትዮም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ምስ ምኽትሎምን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብምዃን ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ፈረንሳይ ናይ ኣሜሪካ ነባር መሻርኽቲ እያ ክብሉ ብምንኣድ መጥቓዕቲ ንዝፈፀሙ ኣሸበርቲ ንምሓዝ ዩናይትድ ስቴትስ ክትሕግዝ እያ ኢሎም።ብስምዓብ ‘’ኣብ ፀረ-ሽብር ምስ ፈረንሳይ ብዘለና ምትሕብባር ክንዲ እንኽእሎ ክንሕግዞም ኢና’’ኢሎም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ብወገኖም ዩናይትድ ስቴትስን ፈረንሳይን ኣንፃር ሽብርተኛታት ዘካይድኦ ውግእ ፈፂመን ደው ኣየብልኦን ኢሎም። እቲ ቕትለት ኣብ መንጎ ስልጣነታት ኮይኮነስ ኣብ መንጎ ስልጣነን ንስልጡን ዓለም ዝቃወሙን ዝካየድ ዓብዪ ኣካል ናይ ፊት ንፊት ግጥም እዩ ኢሎም።

ሰበስልጣን ፔንታጎን እውን ኣብ ጎኒ ፈረንሳይ ጠጠው ከምዝብሉ ገሊፆም ኣለው።

ሰበስልጣን ደሕንነት ውሽጢ ሃገር ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ፍፃመ ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለው።ኣብ ናይ ኣሜሪካ ናይ ፀጥታ ደረጃ ለውጢ ከምዘይተገብረን ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ እውን ከምቲ ልሙድ ተኸፊቱ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG