ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ወሽመጥን ቐጠርን ምስ ናይ ኦማን መዘነኦም ተዘራሪቦም

  • ቪኦኤ ዜና
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን ቀጠርን ንዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ብዝተሓሓዝ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሎሚ ምስ ናይ ኦማን መዘነኦም ተራኪቦም፡ ተዘራሪቦም።

ሚንስትር ረክስ ቲለርሰን ምስ ናይ ኦማን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት የሱፍ ቢን አላዊ ቢን ዓብደላሂ አብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ንሪፖርተራት ሓጺር መግለጺ ሂቦም።

ሚንስትር ቲለርሰን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቐጠር ከይዶም ነቲ ጎረባብቲ ቀጠር ዘለወን ምስ ግብረ ሽበራ ዝተሓሓዝ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኣሜሪካን ቐጠር ናይ መረዳድኢ ምስምምዖም ፈሪሞም ኔሮም።

ንሶም ቐጠር ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ሰጉማ’ላ ዝብል ንሶምን ናይ ኦማን መዘነኦምን ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG