ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ዒላማ ንዝገበረቶ ክልተ ቦታታት ደብዲባ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ

ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶሪያ ንዝርከቡ ክልተ ቦታታት ደብዲበን።

ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ምስ ናይ ኢራን ሪቮንሽናሪ ጋርድ ኮርፕስ ምትእስሳር ንዘለዎም ኣብ ምብራቕ ሶሪያ ዝርከቡ ክልተ ቦታታት ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ 2023 ደብዲበን።

እዚ መጥቓዕቲ ዝፍፀም ዘሎ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መደብራትን ወታሃደራትን ኣመሪካ ዝተፈፀመ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቓዕታት ሕነ ንምፍዳይ እዩ።

ምምሕዳር ባይደን ሚዛኑ ንምሕላው ዘለዎ ቆራፅነት ዘንፀባርቕ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ንኣመሪካ ዒላማ ብምግባር ብኢራን ከምዝድገፉ ንዝጥርጠሩ ጉጅለታት ንመጻኢ ዝፍፀም መጥቓዕቲ ደው ንምባል ክንድ ዝክኣል ኣሐይላ ንምውቃዕ ትደሊ፥ ዝሰፍሐ ግጭት ከይልዕዓል እውን ትሰርሕ ኣላ።

በቲ መጥቓዕቲ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ኣሜመካ ዝኾነ ሓበሬታ ወይ ካብቲ ቦታ ዝወረደ ዕንወት ዝሕብር ገምጋም የብላን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG