ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ፈርግሰን ብህውከት ተናዊፃ

Protesters, demanding the criminal indictment of a white police officer who shot dead an unarmed black teenager in August, shout slogans while marching through a suburb in St. Louis, Missouri, Nov. 23, 2014.

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንዘይተዓጠቐ ፀሊም መንእሰይ ንዝቐተለ ፃዕዳ ፖሊስ ዘኽስስ የብሉን ክብል ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ኽሲ ይመስረት ኣይመስረት ዝብል ወሳነ ዝህብ ካብ ህዝቢ ዝተዋፅአ ባይቶ /grand jury/ ትማሊ ሰኒ ድሕሪ ምውሳኑ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ከተማ ፈርግሰን ሚዞሪ ብናዕቢ ተናዊፃ።

እቲ ተቓውሞ ክቕፅል እውን ትፅቢት ይግበር።

እቲ እወጃ ስዒቡ ሰልፈኛታት ናይ ንግዲ ትካላት ዘሪፎም፤ ንመኻይንን እንተወሓደ ን12 ህንፃታትን ብሓዊ ኣባሪዖም ኣለው።

ኣብ ከባቢ ሰይንት ሉዊስ /St. Louis/ 61 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ስድራ ዝተቐተለ ወዲ 18 ዓመት ማይክል ብራውንን ካብ ህውከን ናዕብን ክእደቡ ተማሕፂኖም ነይሮም።ድሕሪ ዜና ተወሳኺ ኣለና።

XS
SM
MD
LG