ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተሪር መምርሕታት የውጽኣ


ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተሪር መምርሕታት የውጽኣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተሪር መምርሕታት የውጽኣ

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተሪር ዝኾነ መምርሕታት ኣውጺአን ኣለዋ።

ኻልኦት ሃገራት`ውን ክስዕብኦ ከም ዝኽእላ ይመላኸት ኣሎ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝፈረምኦ መዘክር ውዕል፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምምዕባል ፈተነ ዝሓየለ መሳርሕታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብሽርክነት ንክሰርሓ ዝገብር`ዩ። እዚ ድማ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተገብረ 'ዋዕላ ድሕነት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ' ንዝተኣትወ ቃል ስዒቡ`ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድማ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፈላማይ ዝብሃል መምርሕታት ኣውጺኡ`ዩ። እቲ ፈላማይ ውሳነ ፓርላማ ኤውሮጳ ነቲ እናዓንበበ ዝኸይድ ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝተፈላለዩ ሕግታት ዘንጸፈ`ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዛረበ ራፖርተር ዓንቀጽ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝኾነ ብራንዶ በነፈይ “ሎሚ ናብ ምድራት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ንኸዶ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኻዊ መዓልቲ`ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ንሰብ ማእከል ናብ ዝገብር ውሑስ ዝኾነ ምምዕባል ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝወስደና ኣብ ዓለም ፈላማይ ዝኾነ ስጉምቲ ወሲድና ኣለና” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ እቲ ሓዲሽ መምርሒ፡ ንዜጋታት ካብቲ ሓደገኛ ዝኾነ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምክልኻል ዝዓለመ`ዩ፡ ምስኡ ግን ንደረት-ኣልቦ ዓቕምታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ`ውን ንምድህሳስ ኣብ ግምት ዘእተወ`ዩ ኢሉ።

በት ኖቨክ ፕሮፈሰር ፈተነ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝ ኢስተርን ብወገና፡ ብዛዕባ`ቲ ሓዲሽ መምርሕታት ታሕጓሳ ትገልጽ።

“ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ፈላማይ ዝኾነን ንኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝቕይድን ሕጊ ምውጽኡ ዘሐጉስ`ዩ። እዚ ግን ናይ መጀመርያ`ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነንን” ትብል። እቲ ሓዲሽ መምርሒ ብደረጃ ስግኣት ዝዕቀን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ስግኣት ልዑል ኣብ ዝኾነሉ እቲ ሕጊ `ውን ብእኡ መጠን ዝተርር`ዩ።

“ ነቲ ቴክኖሎጂ ኣይኮናን ንድርት ዘለና፡ ንኣጠቓቕማ ኢና ንድርት ዘለና" ዝበለት በት ኖቨክ፡ እቲ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ`ቶም ሓደገኛ ዝኾኑ ኣገባባት ኣጠቓቕማ ቁጽጽር ዝገብርን ኣብ ዙርያ ካልኦት ተጠቀምቲ ግልጽነት ዘርእን`ዩ ትብል። ስለዚ ልዑል ስግኣት ዘለዎ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝጥቀሙ ኣካላት፡ ልዑል ምቁጽጻር ክግበረሎም`ዩ ትብል።

“ ካልኦት ድማ ትሑት ስግኣት" ዝብሃሉ፡ ንከም ዘየድልዩ መልእኽትታት ንምጽራይ ከምኡ `ውን ሰብ-ሰርሖ ተጠቒምካ ዝግበር ናይ ምትርጓም ስራሕ ዘጠቓልሉ`ዮም ትብል።

ኩነታት ኣየር ክትጥቀም ከለኻ ንኣብነት ስግኣት ኣይኮነን፡ ከምኡ`ውን `ሲሪ` ወይ `ኣለክሳ` ዝበሉ መሳርሕታት ክትጥቀም ከለኻ ብዙሕ ምቁጽጻር ኣይክግበረልካን`ዩ ትብል።

ካልእ ራፖርተር ዓንቀጽ ሕጊ ምቁጽጻር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝኾነ ድራጎስ ቱዶራቺ ብወገኑ፡ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ፡ በዚ ሓዲሽ መምርሒ ጥራሕ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ጽልዋ ስለዘለዎ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ መጻኢ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው ክንዳሎን ክነስተብህልን ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

ምምሕዳር ባይደን ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ንሓደጋታት ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ንምክልኻል ዝርኢ ፈላማይ ዝኾነ ፖሊሲ ኣውጺኡ`ዩ። እንተኾነ ረብሕኡ`ውን ምፍታሽ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ`ዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ `ውን ፈደራላዊ ትካላት ኣመሪካ ኣብ ዝሓሸ ምሕደራ`ቲ ቴክኖሎጂ መሪሕ ተራ ክጻወታ፡ ግን ከኣ፡ ምህዞ ከየተዓናቕፋ ዘዘኻኽር መምርሒ ወጺኡ`ዩ። እቲ መሰረታዊ መምርሒ ንድሕነት ጸጥታን ግልጽነትን ዘለና ድልውነት ዘርኢ`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመሪካ ዘለዋ ሓይሊ ናይ ኣብነታ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሓይላ ኣብነት'ውን ክትከውን ኣለዋ ኢሉ።

ንቕድሚት ምስ እንጥምት፡ እቲ ቴክኖሎጂ መልክዑ እናቐየረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ብድሆን ብእኡ መጠን ዝወጽእ መምርሕታትን እናተሓደሰ ክምጽእ ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG