ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑን ኣብታ ሃገር ናይ ምዝራብ ነፃነትን ናይ ፖለቲካ መሰልን ንክኽበሩ ምድፍኡ ከምዝቕፅል መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጡ’ሎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንቶም ኽስታት ኣይተቐበሎምን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሸሞንተ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታትን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ እሱራትን ንኽፍትሑ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ይሓትት።
እቲ ሪፖርት በብዓመቱ ንሃገራት ዝውሃብ ናይ ሪፖርት ካርድ ስለዝኾነን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሪፖርት ዝተጠቐሱ ኽስታት ንዝሓለፉ ክልተ፣ሰልስተ ዓመታት ዝቐረቡን ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከይተገበረሎም ዝተቐመጡን ሓድሽ ነገር ዘይብሉን እዩ ክብሉ ፍሉይ ሓጋዚ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ መልሲ ሂቦም።ዝርዝሩ የድምፁ።