ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አሜሪካ ብሰንኪ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ንኢትዮጵያ ካብ ዝሰልዐቶ ደገፍ ገንዘብ ንገሊኡ ከልኪላታ


US - ETHIOPIA
US - ETHIOPIA

ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዕሳል ሰላምን ጸጥታን ዘተኮረ ከምኡውን ንታሪኻዊ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድጋፍን ኣብ ዝብሉ ዝተሰረተ እዩ።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ ኣመላልኣን ምሕደራን ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ይካየድ ዝነበረ ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ንቅድሚት ፈንተት ክብል ዘይምኽኣሉ ንዩናይትድ ስቴትስ ኣሻቂሉዋ ኣሎ። ኣሜሪካ፣ ንስሉሳዊ ልዝብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ተሳልጥን ሓባራዊን ምዕሩይን ተረባሓይነት ንክህሉን ሰሪሓ እያ።

እቲ ንኢትዮጵያ ይዋሃብ ዝነበረ ገለ ደገፍ ንክቋራጽ ኣሜሪካ ምውሳና፣ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ድሕነት እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕነት ቅድሚ ምብጻሓ ብናይ ገዛእ ባዕላ ተበግሶ ነቲ ግድብ ማይ ንክትመልእ ምውሳና ከምዘሻቀላ ሓባሪ ይብል'ዩ ይብል ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ።

ዩናይትድ ስቴትስ፣ ቅድሚ ኣገደስቲ ስጉምቲታት ምርግጋጽ ድሕነት’ቲ ግድብ ምፍጻሞም ምምላእ ማይ ምጅማር ግቡእ ኣይኮነን እናበለት አቀዲማን ደጋጊማን ተዛሪባ እያ። ብዘይካዚ፣ ልዝባት ኣብ ዝቅጽልሉ እዋን፣ ማይ ምምላእ ምጅማር ማለት፣ ንእምነት ታሕተዎት መፋስስ ሃገራት ዝሽርሽር’ዩ። ካብኡ ዝሰገረ፣ ኣብ ሓምለ ዝተፈጸመ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ኣፍሪቃ ትመርሖ ዘላ መስርሕ ልዝብ ‘ባዕላዊ ስጉምቲ’ ኣይወስድን ክትብል ንዝኣተወቶ ቃል ዝዓጸፈ እዩ።

ዩናይትድ ስቴትስ ዓሚ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ መጠን ድጋፍ፣ ኣሜሪካ ሎሚ’ውን ቀንዲ ልምዓታዊ መሻርኽታ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ። መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንስራሕቲ ጸረ ኤይድስን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምኡውን ኣብ ወፍሪ ጸረ ኮቪድ 19ን ካልኦት ገለ ምምሕዳራዊ ወጻኢታት ንኢትዮጵያ ዝልእኸላ ገንዘብ ክቅጽል እዩ።

ምስ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ መስርሕ፣ ስለ ምብጻሕ ስምምዕነት ርትዓዊን ምዕሩይን ተጠቃምነት ተባሂሉ ክንቅጽለሉ ኢና። ዝዓበየ መዘራረቢ ነጥቢታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ተፈቲሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ዝብጻሕ ስምምዕነት ኣሳጋሪ ክኾን እዩ። ንህይወት 250 ሚልዮን ህዝቢታት፣ ብኣገባ ዶብ ሰገር ምትሕብባራትን ዞባዊ ምትእስሳራትን ንቁጠባዊ ዕድላት ዘስፍሕ ከምዝኾን መግለጺ ሚኒስትር ኣሜሪካ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG