ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ወፃኢ ግብፂ ምስ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ድልየት ኣለና እንትብሉ ምስንቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ድማ ሓቀኛ ልዝብ ንደሊ ኢሎም


ETHIOPIA DAM
ETHIOPIA DAM
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ነቢል ፋህሚ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ብዛዕባ ዘላ ግድብ ህዳሴ ልዝብ ንምግባር ሃገሮም ድልየት ከምዘለዋ ኣፍሊጦም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኖም ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ሓቀኛ ልዝብ ንምክያድ ኩልሻዕ ቅሩብቲ እያ ኢሎም።

ብርክት ዝበላ መራኸቢ ብዙሃን ግብፂ ኣብዘን ክልተ ማዕልታት ኢትዮጵያን ግብፅን፤ማይ ኣባይ ከምኡ እውን ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ዝምልከቱ ዜናታት ብሰፊሑ ይፅብፅባ ኣለዋ።
ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሓድሽ ናይ መንግስቶም ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለው።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነቢል ፋህሚ ኣብ ካይሮ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ልኡኻት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ናይልን ናይ ኢትዮጵያ ህዳሴ ግድብን ብዝምልከት ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ንምድርዳር ድልዊ ምዃኖም ብዓረብኛ እትሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም ፀብፂባ’ላ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ቀረባ ኣብ ሰንዓ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ምስ ናይ የመን ፕሬዝዳንት ኣቡ ረቢ መንሱር ሃዲ ተራኺቦም ነይሮም።ኣብ እዋን ዝርርቦም ኢትዮጵያ ታሕተዋይ ተፋሰስ ሃገራት ናይል ንዝህልወን ስግኣት መፍትሒ ንምርካብ ምስ ግብፂ ሓቀኛ ልዝብ ንምክያድ ከምእተድሊ ገሊፆምሎም ኣለው።

ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግናን ዘላቒ ልምዓትን እትገብሮ ገስጋስ ዓብዪ መግለፂ ወይም ምልክት ምዃኑ ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሮም።

‘’ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ንግብፂ ሓዊሱ ንሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ናይ ኢኮኖሚን ማሕበራውን ስግግር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከበርክት እዩ’’ኢሎም።

መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንሩባ ናይል ብዝብምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ዘሎ ምስሕሓብ ብዝርርብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ተሓጋጋዚት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብዝሃብኦ ናይ ኢንተርኔት ጋዜጣዊ መግለጫ ሓቢረን።
ሊንዳ ቶማስ ኣብቲ ጉዳይ ዝተዛረባ ፈላመይቲ ዝልዓላ ብዓልቲ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ እየን።
XS
SM
MD
LG