ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ንዝተመርፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ብጎነፅ ምዕላው ኣሜሪካ ኣይትድግፎን' ኢለን ኣሜሪካዊት ባዓልቲ ስልጣን


ዌንድይ ሸርመን
ዌንድይ ሸርመን

ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ወንድይ ሸርማን 'ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ወናኒት ብቅልጡፍ ዝዓብይ ዘሎ ቁጠባ፣ ነፃ፣ ርትዓዊን ኣሳታፊን መስርሕ መረፃ ንክተሳልጥ ንፅበያ ዴሞክራሲያዊት ሃገር’ያ። ስርዓተ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተማሓየሸን ኣብ ምስጓምን ይርከብ።መስርሕ ምርጫ እናተማሓየሸ ይኸድ’ሎ' ኢለን።

ኣቦ-መንበር መድረክን ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም “እቲ ዳሕረዋይ መረፃ ኢትዮጵያ፣ንመስርሕ ዴሞክራሲ ናብ 1983 ዓም’ዩ ቀልቢስዎ”ይብሉ።

ዊንድይ ሸርማን '7 ግንቦትን ካልኦትን ንብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፀ መንግስቲ ብጎነፅ ንክዓልው ክፍትኑ ከምዘይግባእ' ንዝገልፅ ቅዋም መንግስተን’ውን ኣጉሊሄን።

7 ግንቦት ብኣቦ-መንበሩ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣቢሉ መልሲ ሂቡ’ሎ።'ብናተይ እምነት፣ንኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፀ’ዩ፣ደሞክራሲያዊ መረፃ ዘተኣናግድ’ዩ ኢልካ ንኢትዮጵያዊያን ምዝራብ ቀልዲ’ዩ' ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ‘ፍሪደም ሃውስ’ ዝተባሃለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ወንዲ ሸርመን ዝሃበኦ ሪኢቶ ‘ኣዕናዊን ናይ ዘይፈልጥ ሰብ ቃል’ዩ፣ ንኢህወደግ ዝፍፅሞም ወፅዓታት ኣፍልጦ ዘይህብ’ዩ' ዝብል መልሲ ሂቡ። ወካሊ’ቲ ትካል፣

'ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ሓያል ሽርክና ንምፍጣር ድልየታ’ዩ ኢለን' ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ወንድይ ሸርማን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:50 0:00

XS
SM
MD
LG